ሃገራውነትን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽን፦ ኢትዮጵያ ናይ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ከም ትኸውንምግባር

Home Forums መድረኽ መናኣሰ ሃገራውነትን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽን፦ ኢትዮጵያ ናይ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ከም ትኸውንምግባር

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #3468 Reply

      ብኤዶሳ ደገፈ ጉታ

      ዳግማይ ሃፀይ ምንሊኽ (1889-1913) ዘበናዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ክትምስረት ብምግባሮም፣ ውፅኢቱ፣ ሎሚ ነታ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኢትዮጰያ ዝሓቖፈት ትኽክለኛ ኢትዮጳያ ክንገብራ እንኽእለሉ መንገዲ ኣብ መዋጥር ክኣቱ ዝገበረ እዩ። ንገለ ካብቲ ብፅኣት ኣለሙ ኣብታ ኢትዮጵያ ናይ መን እያ? ‘ ዘርእስታ ዓንቀፅ ዘበገሰቶ ኣረኣእያ ይሰማማዓሉ እየ፤ ብፍላይ ድማ፡ብኣግባቡ ዘይተኣለየ ብሄርትነት ኣብ ፖለቲካውን ማሕበረቍጠባውን መዋቕር እታ ሃገር ሱር ዝሰደደ እተፈላለየ ናይ ዜግነት ሕቶታት ከም ዝለዓል ዝገብር ሰይፊ ፖለቲካዊ ግጭት ኰነ ዝበለቶ። ምስዚ ሕጂ ዘሎ ቕልውላው ፍታሕ ንምርካብ፣ ኢትዮጵያ ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ ኣፀቢቑ ኸም ዝተሓሓዝ ዘቕረበቶ መጎተ ከምኡ’ውን ነዚ እንተ ዘይተቐቢልናዮ ንቕድሚት ክንስጉም ኣይንኽእልን ኢና፣ ምኽንያቱ ብታሪኻዊ ኣዘራርባ ንኹሎም ጉጅለታት ዓሌታት ኣፍልጦ ምሃብ ዘይከኣል እዩ”  ዝብል እውን ይሰማማዓሉ እየ።”. [1]

      መበገሲ ነጥቢ ዝኾነኒ ናይ ብፅኣት ስራሕቲ ግድፈትን ዝዘለለቶም ጉዳያትን እዩ፣ ከምዚ ዝስዕብ ገይረ ድማ ከቕርቦም እየ። ቀዳማይ፣ ምስረታ ዘበናዊት ሃገረ ኢትዮጵያ ብዳግማይ ሃፀይ ምኒሊኽ  (1889-1913 ዓ.ም.ፈ) ማእኸል  ናይዚ ዘለናሉ እዋን ዋላኳ ሕንቅል ሕንቅሊተይ እንተኾነ፣ ንሳ ግን ኣቓልቦ ኣይገበረትሉን። ካልኣይ፣ ምኒልኽ ናብ ደቡብ ገፅ ዝገበርዎ ምስፍሕፋሕ ሃፀያዊ ግዝኣት ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ፣ ምኽንያቱ፣  ሓይሊ ብምጥቓም ዝተገበረ ስለ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እዋን ግዝኣት ሃፀይ ሃይለስላሴ (1930-1974) ኣብ መንጎ ዝተጨቆኑ ጉጅለታት ሃገራዊ ናይ ርእስኻ ዕድል ባዕርስኻ ናይ ምውሳን ኣልዓለ፣ እዚ ድማ ብተርኡ ብሄራዊ ሕቶ ክልዓል ገበረ። ሃገራዊ ናተይነት ተፅዕኖ ዝግበረልካ በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት እዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ብጥንቃቐ ክፍታሕ ኣለዎ። ነዚ ቕልውላው እዚ ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዘለዎም ሓሳባትን/ሕቶታትን ክፅናዕ የድሊ። ብዘይካ’ዚ እቲ መፅናዕቲ ኣድልዎ ከም ዘይብሉ ንምርግጋፅ ክኢላታትን ሜላ ኣሰራርሓን  ብጥንቃቐ ምምራፅ የድልዮ። እዚ ኻዓ ዘድሊ፣ ነቲ ኢትዮጵያዊነት ምዃን  ዝቕይድ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተፈፀመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ንምእላይ እዩ። ይኹን ድኣ’በር፣ ብፅኣት ነዚ ንነዊሕ እዋን ብፖለቲካዊ መዳይ እተፃዕነ ታሪኻዊ ከይዲ ዳርጋ ብዙሕ ኣይረኣየቶን፣ የግዳስ ዓሌታዊ ፈደራላዊነት፣ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝልዓሉ ጎንፅታት ተሓታቲ ምዃኑ ጥራይ እያ ወቒሳ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተዀነ፣ ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ እቲ ስርዓት ዘለው ጥቕምን፣ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ (EPRDF) ዝተፈፀሙ  ናይ ኣፋፃፅማ ውድቀታትን ምፍላይ ይግባእ።

      ኣብቲ ዝፃሓፈቶ ፅሑፍ፣ ካብቶም ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብዙሑነት፣ ብኸመይ ብዝበለፀ መገዲ ኽትቈፃፀሮ ከም እትኽእል ኣማራፂታት ዘቕረቡ ብዙሓት ሰባት፤ ብፅኣት ግን ኣረኣእያ ናይ ዋለልኝ መኮነንን ኢብሳ ጉተማን ዝበሃሉ ኽልተ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እያ ተጠቂማ። ንኣብነት፣ ከም ኤርትራ፣ ናይ ኦሮሚያ ሕቶ እውን ካብ ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ነፃ ናይ ምዃን ሕቶ እዩ ኢሎም ዝተኻራኸሩ፣ ናይ ኣሰፋ ጃለታ ኽርክር ኣብ ግምት ክነእቱ ኣለና። ከምዚ ዝኣመሰለ ብምዃኑ ድማ፣ ብዲሞክራሲያዊት ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዀነ፣ ነቲ ናይ ዜግነት ሕቶ ብግቡእ ብምእላይ፣ ነዚ ፍታሕ ዝኸውን ክርከብ ኣይተኻእለን።

      በቲ ኻልእ ሸነኽ፣ መረራ ጉዲና ዝተማጐተሉ ድማ፣ ንኣብዝሓ ኣግሊልካ፣ ብሓደ ግዜ፣ ዲሞክራሲያዊ ንምግባርን ማእኸላዊነት ንምውጋድ ተስፋ ምግባርን፣ ንሕድሕዱ ዝጋጮ እዩ ኢሉ ተሟጊቱ እዩ። ንኢትዮጵያ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ ናይ ሓባር ዛዕባ ንምድላው ዘኽእል ኣብ ውሽጢ ፍልልይ ዘሎ ናይ ሓድነት መትከል ምቕባልን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ፣  ብቕንዕናን ኣፅኒዑ ክስዕቦ ከም ዘለዎ ይመክር። መረራ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ።

      ኢትዮጵያዊ ንምዃን ክማልኡ ዘለዎም ዅነታት እንተድኣ ሃሊዮም፤ ገለ ካብቶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ክስዕብዎ ዝፅዕሩ ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን ምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ኢብሳ ብዛዕባ “መን እዩ ኢትዮጵያዊ” ኢሉ ዘበገሶም ሕቶታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያዊነትን ብሄርታዊነትን ዘሎ ሓባራዊ ምርጫ ጥራይ ገይርካ ክርአ የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ንኽልቲኡ ከስማምዖ ይኽእል እዩ፡፡ ነፍሲ ወከፉ ካዓ ንሕድሕዱ ክደጋገፍ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ በገዛ ባዕልኻ ዘለካ ምርዳእን መንነትን (ኣብ ብምሉኡ ግዜን ህዋን ብምርጫኡ ንኽቕየር)  መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚ እውን ይኸፍተልና፤ በዚ ኸምዚ ካዓ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ግጭትን ይንኪ።

      ሓቂ እዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄርታዊ መንነት ናብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዓብዩ፣ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በፂሑ ከም ዘሎ ዝካሓድ ኣይኰነን፤ ኣብ ናይ ስልጣን ፖለቲካ፣ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምኡ’ውን ሕድገት/ምርሓቕ ድማ ብጋህዲ ይርአ ኣሎ። ይኹን ድኣ’በር ነዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቕልውላው ንምፍታሕ ኣብ ንገብሮ ፈተነ፣ ነታ ዋልታ ረገፅነት/ፅንፊነት (extremism) እትብል ቃል ክንጥቀመላ የብልናን። ንብሄራት ዘነኣእስ ሽማት ምጥቃምን ካብ ‘ካልኦት’ ጕጅለታት ብሉፃት ምዃኖምን ሰላማዊ ውሳነ ንምግባር ኣፀጋሚ ይገብሮ ከምኡ’ውን ኣይጠቕሞምን ድማ። ዝቐትሉ ዘይኮነስ ዝፍውሱ ቃላት ክንደሊ ኣሎና።

      ብፅኣት፣ መሬት ናይ ግጭታት ማእኸል ከም ምዃኑ መጠን፣ ብዛዕባ መሬት እውን ሕቶ ኣበጊሳ እያ ፣ ምናልባሽ እውን ማሕበረ-ሰባት ኣብ ገሊኡ ግዝኣት ብቛሚነት ክሰፍሩ ከም ዘድልዮም ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን ድኣ’በር  ብዛዕባ ዋንነት መሬትን ምንቅስቓስ ግዝኣትን ክትዕን ምይይጥን ኣድላዪ ምዃኑ ንምጕላሕ፣ ኣብዚ ነጥቢ እዚ ተወሳኺ ፀቕጢ ኣይገበረትን።

      እወ፣ ከምቲ ብፅኣት ዘጕልሓቶ፣ ኵሎም ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ጕዳያት መንግስቲ ብማዕረ ዝሳተፉላ ሓቀኛ ሃገራዊ ግዝኣት ንምቛም ኣብ ንገብሮ ፈተነ፣ ሃገራዊ ዝኽኑ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ክንጥቀም ኣሎና። ይኹን ድኣ’በር መብዛሕትኦም ተወለድቲ ዝሰማምዕሎም ሃገራዊ ተቛማት  ክመርፁ ስለ ዘለዎም፣ እዚ ቐሊል ኣይኰነን። ከም ዓወት ዓድዋ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ኽብሪ፣ ንሰባት ካብ ውሽጣዊ ዘይምስምማዕ ንምልዕዓል ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ዝገልፅ መጎተኣ ኣይሰማማዓሉን እየ። ኣብ ክንድኡስ ንህዝቢ ኣንፃር ግዳማዊ ስግኣት ንምልዕዓል ምጥቃም ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ ።

      ናይ ኢትዮጵያ መን እዩ፣ ኸምኡ’ውን እዚ እንታይ ውሳነታት ከም ዘጠቓልል፣ ገለ ካብኡ እውን፣ በቲ ሕገ መንግስቲ ኢዩ ዝውሰን። ነቲ ድሓር ዝግበር ተቓውሞታትን ፖለቲካዊ ምዕባለታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ መደረ ማእኸል ሰለዝኾነ ምትዕርራይ ዘድልዮ ሕገ መንግስቲ፣ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ፤። እቲ ሕገ መንግስቲ ‘ዝያዳ ፍፁም’ ክኸውን ከምኡ’ውን ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎን ዝመፅእን ወለዶታት ዝሓትዎ ነገራትን ትምኒታትን ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ደድሕሪ እቲ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ንምእራም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ፍቓድ ህዝቢ እተመርኰሰ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ። ዳርጋ ዅሉ ስፍሓት ህዝባዊ ህይወት በቲ ናይ መንነት ፖለቲካ ተመርሚሩን ተመያይጡን እዩ።

      ኩሎም ናይ ሀዝቢ ህይወት መለኪዒታት ዝምርመሩ ዝነበሩ ብናይ ዜግነት ፖለቲካ ዓይኒ እዩ ነይሩ ክብሃል ይካኣል። እቲ “ንሕና” ኣንፃር “ንሳቶም” (“us” versus “them”) ዝብል ስያመታት ዘተረኮ ፀቢብ ብሄርታዊነት ኣተሓሳስባን፣ ነቲ ፀገም ክፈትሖ ዝኽእል ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብዘሎ ምርድዳእ ወይ ብምይያጥ ጥራይ እዩ። ምስ እተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ መንግሰታዊ ዘይኾኑ ትካላት፣ ሲቢል ማሕበራት፣ ደባይ ተዋጋእትን፣ ዝተሓሓዝ ሰፊሕን ኣገዳስን ክትዕ ኣካዳምያውን፣ መራኸቢ ሓፋሽን ንብምሉኡ ሕብረተሰብ ተቐባልነት ዘለዎን ምስ ደሞክራስያዊ መዐቀኒታት ዝሰማማዕን ቐዋሚ ፅሑፍ ንምቕባል ኣገዳሲ ቐንዲ ረቛሒ እዩ። ዕዉት ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ንምግባር፣ ብዛዕባ ሕጋውነትን ዋንነትን ናይቲ ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ሕገ መንግስቲ ዝገልፅ ሃገራዊ ምርዳእ ክሰፍሕ ኣለዎ። ምስቶም ብኢድ እተመርፁ ‘ህዝባዊ ተወከልቲ’ ዝግበር እምብዛ ተሪር ናይ ግዜ ቀይድታትን ምምይያጥን ክውገድ ኣለዎ። ቅዋማዊ ርግኣት ንብምሉኡ እታ ሃገር ርግኣት ከም ዝህልዋ ዝገብር ኣገዳሲ ረቛሒ ክኸውን እንከሎ፣ ብተወሳኺ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ ከዓ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ከም “ቕልጡፍ ፍታሕ” ገይርካ ክውሰድ የብሉን። እዚ መስርሕ እዚ ብዝለዓለ ብርኪ ግልፅነትን ሓቛፋይነትን ግልፂ ኮይኑ እውን ክልለ ኣለዎ። ስለዚ ኣብዚ ዀነ ነቲ ሕገ መንግስቲ ንምእራም ተወሳኺ ፃዕሪ ብምግባር ኵሎም እቶም ምስኡ ዝተተሓሓዙ ተጠቀምቲ፣ ተገደስቲ ኣካላት፤ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን፣ ሓፋሽ ህዝብን ዝቐረበ ዉጡን ከም ዝፈልጥዎ ምግባር እዩ ዝምሕፀነና።

      ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዝጋጨዉ ጕጅለታት ካብ ሳንዱቖም ክወፁ፣ ዝሰፍሐ ስእሊ ክሪኡ፣ መርገፂኦምን ኣረኣእየኦምን እንደገና ክምርምሩ፣ ነቲ ኣሉታዊ ወፍሪ ደው ከብልዎ፣ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ኢሎም ህዝባዊ ግጭት ካብ ምግባር ክቑጠቡ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ማእኸላይ ስምምዕ ምእታው (ምልዛብ) ኣብ ዕርቂ ኣማራፂ ከም ዝዀነን፣ ስዕረት/ሽንፈት ከም ዘይኰነን ድማ ቁቡል ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ አረኣእያ ኵሎም ጕጅለታት ነቲ ተዋጋኢ መንፈስ ሓዲጎም “ኣነ ገይረ ዝወስዶ ኵሉም ተዓወትቲ-ተሰዓርቲ አረኣእያ” ቀፃላይነት ዘይብሉ እዩ። እቲ ብቕኑዕ እምነት ዘይተገብረ ስምምዕ፣ ነቲ ዝነበሮ ምትእምማን ስለ ዘዳኽሞን ዕቤት ንኸይግበር ስለ ዝዓግትን ኹሎም እቶም ጕጅለታት እቲ መተዓረቒ ሓሳብ ክህቡን ክቕበሉን ክፅዕሩ ኣለዎም። ስለዚ እቶም ዝጋጨዉ ጕጅለታት ንምምይያጥ ውፅኢታዊ መሰረት ምእንቲ ክህልዎም ኣገባብ ኣዘራርብኦምን ዝጥቀምሉ ቋንቋኦምን ኣብ ግምት ከእትዉ ኣለዎም።

      ሕገ መንግስታዊ  ምምሕያሽ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር፣ ሃገራዊ ምይይጥ ክግበር ሓሳበይ ይህብ። ነቲ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዝተገብረ ህንፀት ቐዳምነት ክንህቦ ኣለና። ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ይሰርሕ እዩ። እቲ ኣብ ጕዳያት ስኮትላንድ ናፅነት ህዝበ ውሳነን ከምኡ’ውን ምግንፃል ደቡብ ሱዳንን  ዘርእዮ ምሉእ ብምሉእ ዝርርብ ከም ዘይነበረ እዩ። ስለዚ ካዓ እየ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክንበፅሕ ዝምሕፅን ዘለኹ። እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘሎ ዓንቀፃት ዝተገብረ ምምሕያሽ ናይ ውልቀ ስሚዒት ዝመልኦን ከምኡ’ውን እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ብዛዕባ ኣድላይነቱ ምስ ተሰማምዐ ድማ ብሰብ ሞያ ክመሓየሽ ኣለዎ። ሓያሎ ዓንቀፃት ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ (FDRE) ዝብሎ ካዓ ክኢላታት ኣብቲ ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ተሳትፎ ከም ዘድልዮም ዘንፅባርቕ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ቦርድ ምርጫ ምቁቛም ኣብ ዝኣመሰለ ኽርክር ንምምፃእ ናይ ክኢላታት ክትዕ የድልዮ እዩ።

      እቲ ታሪኻዊ ዘይመጣጠን ርክባት ንምዕራይን ሚዛኑ ንምሕላውን መብፅዓ ዝኣተወ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ዓርሰ ምሕደራን ናይ ብሓቂ ኽንስዕቦ ኣሎና። እቲ በቲ ብርቱዕ ዓብላልነት ትምኒታቱ ዝተደረኸ ካብ ላዕለዋይ ናብ ታሕተዋይ ዝኸይድ ኣተሓሳስባ ናይቲ ገዛኢ ውድብ/ፓርቲ እንደገና ክምርመር ኣለዎ። ሓቀኛ ዓርሰ ምሕደራ ብደቂ ዓዲ ምምሕዳር ንከይድታት ወሰነ ዘጠቓለለ ኣካይዳ ክትግበር አለዎ። መፍትሒ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ብምሉኡ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘይማዕርነትን ብዛዕባ እቲ ብዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዝተሓዝ ሓባራዊ ተዘክሮታትን ዘሎ ኣረኣእያ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

      እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ማእከላይ ዙረት ዘለዎ ርክብ ክመሓየሽ ኣለዎ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ቝፅፅሮም ዘለዉን እተገለሉን ሰባት (ብፍላይ ኣቕሽሽቲ ኸምኡ’ውን ዝንቀሳቐሱ ሓረስቶት) ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ባህሊ ጠጠው ከም ዝብል ንምግባርን  ንምእራም ፃዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ብሓፂሩ ኢትዮጵያ ናይ ኵላትና ምእንቲ ኽንገብራ ኵሎም ተዋሳእቲ መንግስቲ፣ ተቓወምቲ፣ ሲቪላዊ ሕብረተሰባት፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ውድባት (NGOs)፣ ተሰማዕነት ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን …… ነቲ ኣማራፂታቶም፣ ፖሊሲታቶምን ተግባራቶምን ብቕንዕናን ብምትዕራቕን እንደገና ክሓስበሉ ዝግባእ እዋን እዩ።

      [1] A response to Bitsiet Alemu’s  article ‘To whom does Ethiopia belong?’

Viewing 0 reply threads
Reply To: ሃገራውነትን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽን፦ ኢትዮጵያ ናይ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ከም ትኸውንምግባር
Your information: