ለውጢን (?) ጥራሕ ኸብዲን

Home Forums መድረኽ መናኣሰ ለውጢን (?) ጥራሕ ኸብዲን

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #4228 Reply

      ፍቅር ጌታቸው

      ብዛዕባ ፖለቲካዊ መሰጋገሪታት ንፁር ትርጕም ሓባራዊ ስምምዕ እኳ እንተዘይሃለወ ኦዶንልን ሽሚተርን ግን መሰጋገሪታት “በቲ ሓደ ሸነኽ መስርሕ ምፍራስ ምልካዊ ስርዓት ብምጅማር ፣በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ገለ ዓይነት ዲሞክራሲ ብምቛም ናብ ገሊኡ ዓይነት ምልካዊ ኣገዛዝኣ ምምላስ ደረት ከም ዘለዎ” ኢዮም ዝማጐቱ ወይ ከኣ ናይ ለውጢ ኣማራፂ ምስ ተቐልቀለ ኢዩ።”

      ኣብ ምልካዊ ዅነታት ዝነብሩ ብሉፃት ሰባት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠለብ ከም ዝህልዎም ዝገብር ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ውሳነ ይገብሩ ኣለዉ።

      ሃፍቲ ማዕረ ብዝኾነ መንገዲ ምዝርግሑ ኣጋጣሚታት ምርካብ ፣ ከምኡውን ናይ ህዝቢ ገንዘብ ምምሕዳር ፣ኣብ ሕብረተሰባት ርክብ ኣብ ምፍጣርን ምቕያርን ግደ ነይርዎ እዩ። ኢትዮጵያ ውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኾነትን ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ቕድሚ 2018 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ነታ ሃገር ዘናወፁዋ ተኸታተልቲ ተቓውሞታት ማዕረ እቲ ብዛዕባ ፖለቲካን ምምሕዳርን ዝገልፅ ዝርጋሐ ሃፍቲ እዩ ነይሩ።

      ሰበ-ስልጣን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ውልቀ-ሰባት (ከምኡውን ማሕበረሰባት) ዘለውዎም መሰረታዊ ትፅቢታትን ድሌታትን ኣየማልኡን እዮም፡፡ ጥዑይ ናይ መንግስቲን ማሕበረሰብን ርክብ ድማ ኣየዳኽሙን እዮም። ስለዚ እቶም ስርዓት ንኽቕየር ዝፅውዑ ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ንዜጋታትን ንመንግስትን ዘተኣሳስር ማሕበራዊ ውዕል እንደገና ምይይጥ ንኽግበረሎም ዝደልዩ ፣ ብቐዳምነት ንኣገልግሎት ብዝምልከት ሕጋውነት እቲ መንግስቲ እንደገና ብምቛም ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገለለ ኽፋላት ህዝቢ ብምውካል ከምኡውን ነቲ ማዕረ ጥቕምን ዕቝባን እቲ ሕጊ ዝገልፅ መሰረታዊ ስርዓት ብምድጋፍ እዩ። ከም ውፅኢት ናይዚ ኸኣ እተን ኣብ ናይ መሰጋገሪ እዋን ዘለዋ ሃገራት ነቲ ኣብ መዋቕር ዘሎ ዘይምቅዳው ዝፈትሕ ቑጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ብሓንሳእ ከዕብዮኦ ኣለወን።

      እዚ ኸኣ ካብቲ ፖለቲካዊ ኣብያተ-ፅሕፈት መን ከም ዝሕዝ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምዝርጋሕ ሃፍትን ሃፍቲ ናይ ምርካብ ኣጋጣምን ውን ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ መዋቕር ስልጣን እንደገና ንምምሕያሽ ዝጠልቡ መራሕቲ ናይቲ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ኢዩ።

      ልምዓታዊ መንግስቲ ኢህወደግ

      ኢህወደግ ንፈለማ ግዜ ስልጣን ክሳዕ ዝሕዝን ከምዉን ክሳዕ ስልጣን ዝመቓቕልን ዝፈተኖ ፖለቲካዊ ቝጠባ ኢትዮጵያ ከም ብሓደ መንግስቲ ዝሕሎ ማእኸላይ ፖለቲካዊ ስልጣን እዩ ዝርአ ነይሩ። ይኹን እምበር ኣታዊ ንምእካብ ዝግበር ዝነበረ ወፃኢታት ካብ ፅቡቕ ጎኑ ንላዕሊ ጉድኣቱ ይበልፅ ኔሩ፡፡. ህወሓት ኣብቲ ናዕቢ ዝነበረሉ እዋን ተሪር ኣተሓሳስባ ማርክሲስት ሌኒኒስት እኳ እንተነበሮ ኹይናት ምስ ተዛዘመ ግን ኣማራፂ ስኒት ዘይብሉ ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምርካብ እታ ዓዲ እንደገና ንገዛእ ርእሳ ኽትምህዝ ተገደደት ።ኢህወደግ ነቶም ለገስቲ ዅነታት ብኣገዳስነት ክጥቐመሎም ውን ጀመረ ።

       

      ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቝጠባ ንምሕዳስ ንብሕታዊ ወፍሪ ዕንቅፋታት ንምውጋድ ከምኡውን ነቲ ዕዳጋ ዘለዎ ግደ ንምምሕያሽ ስጕምትታት ምውሳድውን ኣድላዪ ኔሩ እዩ ።

      ይኹን እምበር ድሕሪ 2001 ኢህወደግ ንቝጠባዊ ዕብየት ዝነበሮ ጠመተን ኣረኣእያን ትሑት ብምዃኑ ነቲ እቶም ለገስቲ ኣብ ፖሊሲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘለዎም ጽልዋ ኣዝዩ ክቕንስ ጌሩዎ እዩ። እንተዀነ ግና ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ደገፍ ዝግበረላ መሻርኽቲ ምዕራባውያን ኾይና ፀኒሓ እያ፡፡ኣብ ዓለም ድማ ካብ ኹሉ ዝዓበየ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ተቐቢላ እያ ። ኢህወደግ ብተዛማዲ ማክሮ- ኢኮኖሚያዊ ርግኣት እንዳሃለወ ልዑል መጠን ዕብየት ኣብታ ርእሰ-ኸተማ ዝወፅእ ህዝባዊ ወፃኢታት፣ ከምኡውን ዝሰፍሐ ህዝባዊ ወፍሪ ክምዝገብ ክኢሉ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ በዚ ገምጋም ዕብየት እታ ሃገር ኣብ 2022 ማእኸላይ ኣታዊ ዘለዋ ሃገር ንክትኸውን ትፅቢት ይግበር ነበረ።

      እቲ ዘገርም ኹነታት ከኣ እቲ ዝተመዝገበ ልዑል መጠን ዕቤት ነቲ መንግስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ዝንባለታት መመኽነይታ ንምቕራብ ከምኡውን ተቓውሞታትን ነቐፌታን ኣፍ ንምትሓዝ ኣገልጊሉ ኢዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሰበ ስልጣን ነቲ ብዛዕባ ህስያ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ዝለዓሉ ሕቶታት ብግህዶ ኻብ ምንፃግ ድሕር ኣይበሉን፣ ከመይሲ “ብጥራዩ ኸርሲ ዲሞክራሲ ክህልወና ኣይክእልን እዩ” በሉ።

      እቲ መንግስቲ ነቲ መንግስቲ ዕቤት ‘ዕዉት’ ንክኸውን ዘኽእሎ ውልቀ-ምልካዊ ንፅል ሰልፊ ንምቑፅፃር ዝገበሮ ቘራፅነት ንተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ከም ዘርሕቕን ነቲ ቢሮክራሲ ብብልሹዋት ሰባት ከም ዝመልኦን ዝሕብር እዩ።

      ናይ ኢህወደግ ፖለቲካዊ ቑጠባ
      ነቲ ናታን “ፖለቲካዊ ሓይሊ [ኣብ ኣፍሪቃ] መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ብሕታውን ብልፅግናን ዓማዊል ዝመርሕ መገዲ እዩ” ብምባል ዝተዛረቦ ዘረባ ይሰማምዓሉ እየ። ቅድሚ 2018 ዓ/ምፈ ኢትዮጵያ ነቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ንምምዕርራይ ዘገልግል ዝነበረ ቝጠባዊ ሃፍቲ ምቑፅፃር ኣብ ኢድ ኢህወደግ ከምዝኣተወ ንፁር እዩ፡፡

      ፖለቲካዊ ምንጭታት ቑጠባ ብቐንዲ በቲ መንግስቲ ዝውንኖም ትካላት ዝናይ ዞባ በጀት ዝቖፃፀርን ብምዃኑ ፖለቲከኛታት ከምቲ ኣብ ሓድሽ ሃገራውነት ዚርአን ነቶም ዝመረፅዎም ዞባታት ሓለፋታት ኪመቓቐሉ ኣኽኢልዎም እዩ ክብሉ ይገልፁ እዮም። ኢህወደግ ካብ ቐደም መንግስቲ ደርጊ ዝወረሶም ከም ናይ ኢትዮጵያ መንገዲ ኣየር ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሽኮር ኮርፖሬሽንን ፣ ኢትዮ-ቴሌኮምን ገዘፍቲ ምንጪ ቑጠባ እንትኾኑ ብመንግስቲ ኢህወደግ ውን ቑፅፅር ዝግበረሎምን ዝውንኑን እዮም፡፡

      ኹሎም ኣባላት መንግስቲ ኢህወደግ ንከም ቱምሳን ኣምሃራን ዝኣመሰላ ናይ ገዛእ ርእሰን ጕጅለታት ዝቈፀራ እኳ እንተ ነበራ እዘን ዞባታት/ሰልፊ ዝቖፃፀራ ትካላት ግን ብቝፅሪ ግዝፊ ወይ ድማ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታትን ዞባታትን ምስቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ክወዳደራ ኣይክእላን ኢየን። እዚ ማለት ከኣ ምስቲ EFFORT ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ ኽነፃፀራ ኸለዋ ንማሕበረሰባታቶም ሞገስ ክህቡ ኣይከኣሉን ፣ እዚ ኸኣ እቲ ተሓድሶ ዘምፀአ ተቓውሞታት ብዘይካ ኣብ ዞባ ትግራይ ስለምንታይ ከም እተገብረ ንምግላፅ ክውዕል ይኽእል እዩ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምታ 60 ሚእታዊት እቲ ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ ዚርከብ ኣታዊ ዝዀነት EFFORT ዝኣመሰላ መንግስታዊ ጕጅለታት ንመንግስቲ ዞባዊ መንግስቲ ብተዛማዲ ገንዘባዊ ናፅነት ብምሃብ ዋላ እውን ፈደራላዊ ባጀት ንትግረይ ኣብ ምምሕዳር እቲ ኸባቢ ጥራይ እንተ ነበረ ንፌደራላዊ መንግስቲ ብድሆ ኸምፅኣሉ ኽኢሉ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ።

      እዚ ለውጢ እንታይ ሒዙ መፅዩ?

      ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጲያ እትርከበሉ ሓያል ዘይምርግጋእ ንዓመታት ዝፀንሐ ወጥሪን ኣብ ሞንጎ ፀግዕን ዝፀንሐ ምትህልላኽ ውፅኢት እዩ፡፡ እቲ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2018 ዝተገበረ ብብዙሓት ዝተንኣደ ተሃድሶ ናይ ዲሞክራሲ ፣ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላት ሽግራት ጥራሕ ዘይኾነስ እዚ ኸቢድ ዘይፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍልውን ክፈትሕ እዩ ብዝብል ትፅቢት ተጌሩ ኔሩ፡፡ ብድሕሪ 2018 ዘሎ እዋን ከም ናይ ባንኪን ቴሌኮምን ዝኣመሰሉ ዘርፍታት ብኸፊል ናብ ውልቂ ምዙዋር ፣ ናይ ወፃኢ ሃፍቲ ናብ ቐንዲ ኢንዱስትሪታት ክኣትው ፍቓድ ምውሃብ ፣ ናይ ቐደም መጋበያ ቕርሺ ምቕያርን ፣ ቐደም ኣብ ፖለቲካዊ ቑጠባ ቐንዲ ማእኸል ዝነበረት ትግራይ ምግላል ዝኣመሰሉ ዓብዪ ናይ ፖለቲካዊ ቑጠባ ምትዕርራይ ኣርእዩ እዩ፡፡

      ኾይኑ ግና ውድብ ኢህወደግን ሃገርን ዝለዝተላገቡን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝተገበሩ ለውጢታት ዳርጋ ናብ ኹሎም ዘርፍታት ስለዝተተርጎመ እዚ ጉዕዞ እዚ ቐሊል ኣይነበረን፡፡ እቲ ብ 2020 ዓ.ም.ፈ ን ቑጠባ እታ ዓዲ ኣዝዩ ዝጎድአ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፣ብቐዳማይ ዓመት ጥራሕ ንመንግስቲ ልዕሊ 100 ቢሊዮን ብር ዘጥፍአ ብሰሜን ክፋል እታ ሃገር ዝተገበረ ኹይናት ፣ ንህይወት ሚሊዮናት ሰባት ዝፀሉ ዘሎ ድርቂ ፣ ከምኡውን እቲ ብውግእ ዩክሬንን ራሽያን ዝተብኣኣሰ ዘይተርፍ ዓለምለኻዊ ቑጠባዊ ቕልውላው ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረ ኹነታት የጋድዶ ኣሎ፡፡

      ኣብ ፈለማ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ፍሰት ጠጠው ዘብልን ገንዘብ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ክውሕስ ዝገብር ዝተዋሃሃደ ናይ ፖሊሲ ስጉምቲታት (ከም ናይ ባንኪ ኖት ምቕያር ፣ ከምኡውን ናይ ጥረ ገንዘብ ፍሰት እገዳታት) የፋልጥ እኳ እንተነበረ እኹል ከምዘይኾነ ግን ንፁር እዩ፡፡ ከምኡውን መንግስቲ ኣብ ሞንጎ እዞም ኹሎም ፀገማት ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝርከቡ ናይ ፌደራል ትካላት ከም ብሓድሽ ንምሕዳስ ብሚሊዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ብምግባር ‹‹ሸገር ምፅባቕ›› ብዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ከምኡውን መዋቕራዊ ፍታሕ ንዘድልዮም መዋቕራዊ ፀገማት ዑምቐት ዘይብሉ ቕልጡፍ መፍትሒ ብምውሃብ ከምዝተርኣየ ንመስርሒ ቦታ ፅባቐ ዘደንግፅ ቐዳምነት ምውሃብ ዘርአየ እዩ፡፡

      ኣብ መፃኢ እንታይ ከጋጥም ይኽእል?

      ለበዳ ኮቪድ-19 ከምኡውን መከላኸሊ ክታበት ኣብ ሞንጎ ድኻን ሃፋትምን ሃገራት ዝዓበየን ክፍፍል ከም ዘሎ ኣርእዩ እዩ፡፡ ቑጠባ ዓለም መሊሱ እናተምሓየሸ ክኸይድ ከሎ ሰብ – ሃፍቲ ተገማቲነትን ምርግጋዕን ይደልዩ፡፡ ስለዝኾነውን ብዙሓት ናይ ንግዲ ትካላት ኣብ ምህርቲ ብቐፃሊ ጉድለት ከይህልወን ስለዝፈርሓ ኽታበት ኣብ ዘይወሰዱ ሓይሊ ሰብ ክተኣማመና ኣይመረፃን፡፡ እዚ ድማ ልዕሊ 80 ሚእታዊ ዘይተኸተበ ህዝቢ ዝነብረላ ኢትዮጲያ ውን ይሓውስ እዩ፡፡

      መንግስቲ ብሸለልትነት ዘውፀኦም ወፃኢታት ፣ ዘይተለመደ ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ዝውዕል ሃፍቲ ፣ ስራሕ አልቦነት ክውስኽ ዝገብር ዘሎ ብኣማኢት ዝቑፀሩ እንዱስትሪታት ምዕፃው ፣ ንምግብን ነዳዲን ሓዊሱ ካልኦት ካብ ዓዲ ወፃኢ ዝኣትው ኣድላዪ ሸቐጣት ዋጋ እንዳወሰኸ ምኽያድ ምስ ኣብ ኹይናት ዝካየደሉ እዋን ከምኡውን ማእኸላት ሓይሊ እንዳበዝሑ ዝኸድሉ እዋን ምኹዋኑ ተወሲኹዎ ዕሽሽ እንተተባሂሉ ነታ ዓዲ ናብ ካሊእ ፖለቲካዊ ቕልውላው ክመርሓ ይኽእል እዩ፡፡

      ትካላት ባንኪ ፣ ቴሌኮምን ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ብኸፊልን ናብ ውልቂ ምዝዋር ነቲ ኣብ ቑጠባ እታ ዓዲ ዘሎ ነኹዋል ንግዚኡ ክመልእ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ነቲ ብመዓልታዊ ዜጋታት ዝለዓል ሰፊሕ ቑጠባዊ ሕቶታት ዝፈትሕ ቐዋሚ ፍታሕ ዝህብ ክኸውን ግና ኣይኽእልን፡፡

      ብርግፅ በዚ ሕጂ ዘሎ ኣንፈት ንናይ እዛ ሃገር ኣዝዮም ዝደኸዩ ሰባት ምንባር ዘይካኣል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

      ስለዝኾነውን መንግስቲ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ክፋላት ማሕበረሰብ ንዝበፅሖም ኸቢድ ቑጠባዊ ጉድኣት ንምቁፅፃር መደባት ማሕበራዊ ደገፍን ኣድላዪ ሸቐጣት ዝረኽቡሉ መንገዲ ክውስኽ ኣለዎ፡፡ ዓለማዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2023 ዓ/ም/ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕብየት 5.7% ክኸውን ምዃኑ እኳ እንተ ተነብዩ መንግስቲ ንባዕሉ እውን ነቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ንምምሕያሽ ዝገበሮ ፕሮጀክትታት እንደገና ይሓስበሉ ዘሎ ኢዩ ዝመስል እንተዀነ ግን ንቝጠባ ዝያዳ ሓርነት ንምርካብ ኣፀቢቑ ዝድግፍ ምዃኑ ንፁር ኢዩ።

      ስለዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እናዓበዩ ዚኸዱ ሓይልታት ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ኺውሰድ ከሎ ንድኻታት ኢትዮጵያ ዀነ ንዲሞክራስያዊ ጕድኣት ምእንቲ ኸየብፅሕ ነቲ መንግስቲ ተሓታቲ ኽገብርዎ ኣለዎም።

      * ኣጀንዳ ሓታሚ እዚ ፅሑፍ : እዚ ፅሑፍ ካርድ መናኣሰይ ዝማዕበለን ልምዲ ሙሁራዊ ምይይጥ ንምዕባይ “ኣብ መድረኽ ምይይጥ መናኣሰይ” ካብ ዘተኣናግዶም ፅሑፋት ሓደ እዩ:: ኣብዚ ዓምዲ ንምትእንጋድ ወይ ድማ ነዚ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ እንተደልዮም ብ info@cardeth.org ኢሜይል ይግበሩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: ለውጢን (?) ጥራሕ ኸብዲን
Your information: