ለውጥን ቀፃልነት ፖለቲካዊ ቁጠባን/Political Economy/ ኣብ ኢትዮጵያ

Home Forums የወጣቶች መድረክ ለውጥን ቀፃልነት ፖለቲካዊ ቁጠባን/Political Economy/ ኣብ ኢትዮጵያ

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #4188 Reply

      ብናታን ጥበቡ

      “ኢኮኖሚስት ኣፍልጦ ቝጠባዊ ኣራእያታት ጥራሕ ዘይኮነ ክህልዎም ዘለዎምስ ንፖለቲካ፣ ድሌት፣ ግጭታት፣ ስምዒትን — ባህርያትን ማሕበራዊ ናብራ እውን ክርድእዎ  ክኽእሉ ኣለዎም ። ንሓፀርቲ እዋናት  ለውጢ ብኣዋጅ ኽትፍለጥ ትኽእል ኢኻ፣ ይኩን ደኣምበር ንቀፃልነቶም ንምርግጋፅ ተሳትፎ ካልኦት ህዝቢ ናብ ዙርያኻ ክተምፅእ ክትክእል ኣለካ። ፖለቲከኛ ኽትከውን ኣለካ” ። (ቡስካልያ 2004፡ 43) እዚ መግለፂ እዚ ፖለቲካን ቍጠባን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ ምዃኖም እዩ ዘርኢ እቲ ሓደ ነቲ  እንተዘይ ኣጠቓሊልዎ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ኣይኽእልን እዩ። እዚ ብዛዕባ ፖለቲካን ቍጠባን ዝገልፅ ሓሳብ ናብ ፖለቲካዊ ቝጠባ እዩ ዝመርሕ ። ፖለቲካዊ ቝጠባ ብቕልል ዝበለ  መንገዲ እንትትርጎም ኣብ መንጎ ፖለቲካን ቑጠባን ዘሎ ርክብ እዩ ።

       

      እዚ ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ውልቃዊ ዀነ ዓሚል ናይ ለውጢ(client) ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ፀባይ ኣፍሪካ ብማሕበራዊ መዳይ ከም ዝባኸነ ባህሪ እዩ ዝግለፅ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ neopatrimonial ቍጠባ ኣፍሪካ ሃብትን(ምንጪ) ምክፍፋል ሃብትን  ብዝብሃል መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝሓልፍ እዩ (ፍራንሲስኮ 2010) ። ኣብ ኢትዮጵያ ህዝብታት አብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (EPRDF) ኣገዳስነት መንግስታዊ ዕቤት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፖለቲከኛታት ኣብ ዝርጋሐ ሃብትን መቕጻዕትን ኣብ ምውሳን ዘይግቡእ ርኢቶ ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኰነን።

       

      ኣብ ምጅማር 2018 ዝተገብረ ተሃድሶ ኣብ መላእ ሃገር ሓርነት ከም ዝህሉ ዘመላኽት እዩ ነይሩ ። ብዛዕባ እዚ ለውጢ ተስፋ ዝገበሩ ሰባት ድማ ብደስታ እዮም ተቐቢሎምዎ ነይሮም። ይኹን ደኣምበር ነፃነቱ ብዘየገድስ ፀገማት ምብዝሖም ኣብ መንጎ ህዝቢ ምስልቻውን ተስፋ ምቝራፅን ዘሎ እዩ ዝመስል። ከም ናተይ ኣረኣእያ ዋና መንቀሊ እዚ ጉዳይ ጉድለት(falliable) ፖሊሲታት፣ ተኸታታሊ ዝኾነ ጠንቅታት(trait)  ኢህኣዴግ ብምንም ተኣምር ንኢትዮጵያ ናብ ዕቤት ዝመርሕ ኩነታት ኣይፈጠረላን። ኣብ ክንድኡ ብሰንኪ ውሽጣውን ደጋውን ዘይምርግጋዕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ጦርነት፣ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ለውጢ ኩነታት ብቱን ነፃ ዕዳጋ እታ ሃገር (liberalization of fragile market) ንድሕሪት ጎቲትዋ ኢለ እየ ዝኣምን። እቲ ክግበር ዝግብኦ ነገር ናብ ዕቤት ሞዴል መንግስቲ(developmental model policy) ንምምላስ ብጎኒጎኒ ድማ ን ኢሃዴግን ብልፅግና ፓርቲን ንድሕሪት ዝጎተቶም ቀፃልነት ዘለዎም ፀገማት ክንፀሩ ዝግብኦም ነገራት እዮም።

       

      ኢህኣዴግን ልምዓታዊ መንግስትን

       

      ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት “ንቝጠባዊ ደረጃ ጣልቃ ዝኣቱ፣ ዝሕንፅፅን ዝመርሕን መንግስቲ እዩ ” (ካልደንታይ 2008 ፣ 28) ። ብ ኣገላልፃ (ፋንቲኒ 2013)  ናብ ግዜ ኢህኣዴግ ኣቐራርባ(modus operandi ) ፖለቲካዊ ቁጠባ ንመፅእ ተለና፡ ንሃገራዊ ቁጠባ ዝመርሕን ዝዕብልልን እዩ ነይሩ። ብዕቤታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘደንቕ ቍጠባዊ ለውጢ ኣርእያ እያ፡፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዕቤት GDP ልዕሊ 10% እዩ ነይሩ፣ ድኽነት ድማ ካብ 44% ናብ 30% እናቀነሰ እዩ መፂኡ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተ በፀሐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን  ስእነት ስራሕ ካብ 3.5% ናብ 2.3% ቀኒሱ እዩ። ይኹን እምበር ከምዚ ዝበለ ቝጠባዊ ዕቤት ብምክንያት ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እዩ መፂኡ። እዚ ኸዓ ንዕቀባ ዕቤት ዕብየት ጉዳይ ድሕንነት (securitization of development)  እዩ ተገይሩ፡፡ ከም ውፅኢት እዚ ድማ  “ቅድሚ ዲሞክራሲ ዕብየት” ዝብል ኣበሃህላ ዘገርም ኣይኰነን።

       

      ልዕሊ ዅሉ ንፖሊሲታት ምዕባለ ብኣግባቡ ዘይምቍፅፃርን ንህዝባዊ ንብረት ብኣግባቡ ዘይምጥቃምን ብቢልዮናት ዝቝፀር ዶላራት ንክባኽን ምክንያት ኮይኑ እዩ። ካብኣቶም ሓደ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመት ከም ህንፀቱ ከም ዝዛዘምን ነቲ ብምምራት ብረትን ምህንድስናን ዝፍለጥ ትካል ሜቴክ እምነት ከም ዝተውሃቦን ተነጊሩ ነይሩ።  ህዝቢ ንህንፀት እዚ ግድብ ካብ ጁቡኡ ገንዘብ ካብ ዘሰባስበሉን እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጅመርን 7 ዓመት ፀኒሑ እዩ፡ መንግስቲ ነቲ ህንፀት ክሽፍኖ ይቕረ ኣብ መንጎ እቶም ህዝብታት ግን ብስጭትን ቍጥዓን ኣሕዲሩ እዩ።  ካብ ብዙሕ ብሄር ዝተውፃእፅኡ ፖለቲከኛታት እዛ ሃገር ከምዚ ዝበለ ተግባራት ዝፍፅሙ እኳ እንተ ነበሩ  ህዝባዊ ፅልኣቶምን ቍጥዐኦምን ግን ኣብቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝነበሮ ብሄረ ትግራይ ዘተኮረ እዩ ነይሩ።  እዚ ድማ ምስቲ ልዑል መጠን ስእነት ስራሕ ተታሒዙ ካብ 2015- 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ መላእ ሃገር ተኸታታሊ  ዝኾነ ህዝባዊ ተቓውሞ ንክልዓል ምክንያት ኮይኑ እዩ።

       

      ካብ ልምዓታዊ መንግስቲ ምርሓቕ

       

      ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ  እዞም ተቓውሞታት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ንክድይብ ምኽንያት ኮይኖም  እዮም ። ብዙሓት ሰባት ንቝጠባን ንፖለቲካ ሃገርን ነፃነት(liberalization) ኣብ ምርካብ ዓብዪ ስጕምቲ ገይሮም እዮም ዝወስድዎ። እቲ ተሃድሶ ፖለቲካኛ እሱራት ካብ ምፍታሕ ጀሚሩ ክሳብ ቴሌኮምኒኬሽን ናይ ውልቀ ትካል ምግባር ዓብዪ ለውጢ ተራእዩ እዩ። እዚ ውሳነ መንግስቲ ብፅቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ውሳነ እሱራት ከም በዓል ክንፈ ዳኘው ዝበሉ ሓለፍቲ ዓበይቲ ህዝባዊ ትካላት ንህዝቢ  ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ ንፋስ ይመፅእ ከም ዘሎ ተስፋ ሂብዎ ነይሩ እዩ።

       

      ኣብቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት መደብ ምዕባለ ናይ ውልቃዊ ትካላት ብዙሕ ትኹረት ዝግበረሉ ኣብ ወድዓዊነት ዕዳጋ ዝተመስረተ ቁጠባ (pragmatic Market based economy) ከም ዝግስግስ ገሊፁ እዩ።   ለውጢ ምንቅስቓስ ውልቃዊ ወናንነትን ቝጠባዊ ነፃነትን (liberalization and privatization) ካብ ቴሌኮምኒኬሽን ፋብሪካ ሽኮርን እዩ ጀሚሩ ። ካብ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ ዘሎ ኩነታት ወፈራ ገንዘብ (ኢንቨስትመንት) ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ነገር ምባል ይከኣል እዩ ። መንግስቲ ንውልቀ ትካላት ኣብ ሃገር ዘሎ ዕቤት ለውጥን ምምሕያሽን ስእነት ስራሕ ንምቕናስ ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። እዚ ስጕምቲ ኣብዛ ሃገር ብዝግባእ ሰሪሑ እዩ፥ ኣብ 2020/21 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ  ቍጠባዊ ዓመት እታ ሃገር  3.9 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ  ኣፍርያ እያ፥ እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ቢልዮን ዶላር ዝበለፀ እዩ ነይሩ።

       

      ከምዚ ዝበሉ ለውጥታት እኳ እንተፈጠረ መንግስቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ለበዳ ሕማም ኮረና/ COVID-19 ድሕሪኡ ድማ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ ህወሓት (TPLF) ዘይምስምዕማዑ ናይ ብሓቂ  ዓብዪ ቀዳማይ ፈተና ኣጋጢምዎ እዩ። ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ነቲ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ግን ከዓ ብቐሊሉ ዘይርከብ ቍጠባ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢታት ከተማ ፅልዋ ኣሕዲሩሉ እዩ።  ከም ፀብፃብ ባንኪ ዓለም  42% (ሚእታዊ) ዝተመዝገቡ ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓፂዮም እዮም፥ 8% ዝኸውን ኣብ መላእ ሃገር ናይ ስራሕ ስእነት(job loss) ኣጋጢሙ እዩ፥ 2% ሚእታዊ  ኩባንያታት ጥራይ እየን ስራሕ ኽቖፅራ ዝኸኣላ። ብፍላይ እቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ናብርኦም ዝኾነ  ታሕተዎት ክፍሊ(lower class) እታ ሃገር ኣዝዩ ተሰሚዕዎም እዩ ። ኩነታት ክፋእ እንትብሎ ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ዝተጀመረ ግጭት(ዘይምስናይ) ምስ ህወሓት ናብ ውግእ እንተምርሕ፥ ቝጠባዊ ዅነታት ሃገር ኣዝዩ ዝበኣሰ ኮይኑ እዩ ። ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን 3 ሰሙን ዝወስድ “ኦፕሬሽን”  ዝተብሃለ ዓመት ኣቁፂሩ እዩ። እዚ ግጭት ንህንፀት ኣባይቲ ዓብዪ ጕድኣት ኣስዒቡ እዩ፥ ካብ ሓደ ኸባቢ ሓሊፉ እውን ናብ ካልኦት ክልላት ተስፋሕፊሑ እዩ። እዞም ነጥብታት ተደሚሮም ንምብላሻው ኹነታት ቁጠባን፣ ንወሰኽ ዋጋታት ብምብኣስ ክሳብ ሀዚ ጕድኣት የብፅሑ ‘ለው እዮም።

       

      ለውጢ ወይስ ቐፃልነት ?

       

      ድሕሪ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ቅድሚ 27 ዓመታት ዘይሕሰቡ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ለውጥታት ተራእዮም እዮም። ጕዳያት ፖለቲካዊ ለውጥታትን  ምርካብ ቝጠባዊ  ሉኣላውነት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ርሑቕ ገይሮም ዝሓሰብዎ ግጉይ ሓሳብ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ተሃድሶ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ዓመታት  ህዝቢ ልዑል ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዝነበሮ፥ ካብቲ ዕቤት ርሒቖም ዝነበሩ ሰባት ብሓጐስ እዮም ተቐቢሎምዎ። እዚ ሓርነት(ነፃነት) ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር፣ ግልፅነት፣  ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ልዕሊ ኹሉ ድማ  ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ዘምፅእ እዩ ዝመስል ነይሩ።ኢህኣዴግ ብብልፅግና ፓርቲ ምትክኡ ብዙሕ ተስፋ ተገይርሉ ነይሩ።  መንግስቲ ስራሕ ንምፍጣር፣ ንምቑፅፃር ለውጢ ኩነታት ኣየርን ንስሕበት ቱሪስት ዝዓለመ ፕሮጀክትታት “ምፅብባቕ” ሸገር ዝበሉ ናይ ከተማ ፕሮጀክትታት ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ ገጠር ቦታታት ድማ መንግስቲ ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን ገበርቲ ሰናይ ብኹዋን ኣብ ሴፍቲኔት መደባት፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ውፅኢታዊ  መደባት ሴፍቲኔት ( Productive Safety Net (PSNP)) ዝበሉ ትካላት የሰርሕ’ሎ እዩ ።


      ንብዙሓት ሰባት ነቲ ብጥብቂ ዝነበረ ቁፅፃር መንግስቲ፡ መዋእል ኢህኣዴግ ኣብታ ሃገር ዘብቀዐሉ እዩ ዝመስል። ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ካብቲ ዝትብሃለ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ ። እዚ ዅሉ ለውጥታት እኳ እንተ ተገብረ እቲ መሪሕነት ግን ሐዚ’ውን ህወሓት ምስ ዘይብሉ ኢህኣዴግ እዩ።  ብእኣቶም ካብ ስርዓት ኢህኣዴግ  ዝጥቀሙ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት  ካብዚ ሐዚ ዘሎ ስርዓት ‘ውን ተጠቀምቲ እዮም። በቢዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ተማሃሮ ይምረቑን ስራሕ ናብ ዘይብሉ ዕዳጋ ይኣትዉ ኣለው፡ ስእንት ስራሕ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ዓብዩ ጉዳይ እዩ ። ኣብ ከተማ መናፈሻታት ዋላ እኳ እንተተሃነፀ ደረጃ መነባብሮ ግን ገና ትሑት እዩ ዘሎ፡ ዋጋታት ድማ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። እዞም ጕዳያት ዋላ ኣብ  ስርዓት ኢህኣዴግ ቐፀልቲ/ተከታተልቲ እዮም ነይሮም  ። እዚ ኸዓ  ድሕሪ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ  ዝተገብረ ተሃድሶ ለውጢን ቀፃልነት ከም ዘሎን ዘርኢ እዩ።

       

      ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘሎ ተስፋ ኣልቦነት

       

      ብ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝተገብረ ተሃድሶ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ እዩ ዝመስል ፣ ናብ መንገዲ ምዕባለ ዘይኮነ ዝመርሕ ዘሎሲ ተፃራሪ ኣንፈት እዩ ዝጐዓዝ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያ ካብቲ ተሃድሶ ዝተገብረሉ ውሽጣዊ ዀነ ደጋዊ ጉዳያት ኣዝዩ ዝበኣሰ ዅነታት እዩ ዘለዋ ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተኸታታሊ ዝኾነ ህዝባዊ ጦርነት ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግዳማዊ ጦርነት ድማ ፀገማት ፈጢሩ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ/ COVID-19 ንቝጠባ ሃገር ዓብዪ ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ። 

      እዞም ፍፃመታት እዚኦም ንመነባብሮ ዘድሊ ወፃእታት ንክውስኹ ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ ሰባት ድማ ብወሰኽ ዋጋ ይበሳጨዉ ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ስራሕ ዘይብሎም ኮይኖም ኣብ ገሊኡ  ከኣ ካብ ስራሕ ንክለቁ ይግደዱ ኣለዉ ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 34.7% ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ቑጠባዊ ቕልውላው(inflation rate) እንትኾን ኣብ ምግቢ ድማ 43.4% እዩ ኣብ ዝሓለፉ  ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ድማ  33% ከምኡውን 41% እዩ ።ከምዚ ኢሉ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ነቲ ዅነታት ንምምሕያሽ መንግስቲ ገና ስጕምትታት  ኣይወሰደን ። ኣብ ክንድኡ መንግስቲ ዝህቦ ምላሽ ከም ሙዝን ባኒን ወይ ዝበሰሉ ኣሕምልቲ ምግቢ ተመገቡ ዝብል እዩ። ቍጠባዊ ቕልውላው ምግቢታት ስለ ዚርአ ብዋናነት ድማ ኣብ ከም ዘይቲ ብልዒ ዝበሉ እዚ ምላሽ ድማ ነቶም በብመዓልቱ ቑጠባዊ ፀገም ዝሓልቦም ህዝቢ ኣቘጢዕዎም እዩ።

       

      እቶም ንመንግስቲ ክንእድዎ ዝፀንሑ ህዝቢ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ዅነታት ንምምሕያሽ ስጕምቲ ብዘይምውሳዱን ብዝሃቦ ምላሽን ከላግፅሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር  ብዛዕባ ሙዝ ምስ ባኒ ምብላዕ ዝብል ዘቕረቦ ርኢቶ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝግበር ቐልድታት ተስፋሕፊሑ እዩ። ብፍላይ  ቪድዮታት ዝቐርበሉ   መድረኽ   ቲክቶክ  ብዙሓት ሰባት ሙዝ ብባኒ ዝበልዑሉ ዝተፈላለየ መገድታት ከምኡውን ኣብ ቀረባ እዋን  ዝነበረ  በዓል ትንሳኤን ዒድ ኣል-ፈጥርን ብምትሕሓዝ ኣባጊዕ ወይ ብዕራይ ናይ ምሕራድ ልምዲ ዘለዎ በዓላት  ሙዝ እናሓረዱ  ምስልታት ዘርጊሖም እዮም።

       

      ይኹን እምበር መንግስቲ ንኸምዚ ዝበለ ጉዳይ ፈፂሙ ኣይፈልጦን ማለት ኣይኮነን ንጡፍ ካብ ምኹዋን እውን ኣይተቆጠበን፡፡ ዘድሊ ነገር ብምትካእን ብምምፃእን(import) ነቲ ዕዳጋ ከረጋግዖ ይፅዕር ኣሎ እዩ ። ንኣብነት ሕፅረት ዝብላዕ ዘይቲ ንምፍታሕ መንግስቲ 150 ሚልዮን ሊትሮ ዘይቲ ምግቢ ኣምፂኡ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ዝተኻየደ ውግእ ዋሕዲ ስርናይ እኳ እንተሃለወ መንግስቲ ኢትዮጵያ እኩል ስርናይ ንኽህሉ  ይፅዕር ኣሎ እዩ። ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ድሌት ህዝባ እናወሰኸ ዝኸይድ በዝሒ ህዝቢ ስለ ዘለዋ ንህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ከተዕግቦ ከም እትኽእል ዘተሓታትት ጉዳይ እዩ።

       

      መፍትሒታት ክኾኑ ዝኽእሉ?

       

      እታ ሃገር ብኣወንታዊ ፍጥነት ትዓቢ እኳ እንተ ሃለወት ካብ 2018 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ  ዝተገብረ ተሃድሶ ኣትሒዛ ግን እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ንዕቤት GDP ብዝምልከት እቲ ዝተሓተ ነጥቢ ኣመዝጊባ እኒኣ፡፡ ብ2020 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ   ከዓ እቲ ዝተሓተ ገምጋም ክሳብ 6.1% በፂሑ ኣሎ። ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊ ውጥረት እያ ዘላ ፣  ህዝቢ ምስቲ በቢመዓልቱ እናወሰኸ ዝኸይድ  ቍጠባዊ ቕልውላው፡  መንግስቲ ‘ውን ንክፈትሕዎ ይቃለሱ እዮም ዘለዉ ። እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ዘምፅኦ ለውጢ ዀነ ቐፃሊነት ኪኸውን ይኽእል እዩ ።

       

      ካብቲ ለውጢ ኣትሒዙ ናይ ውልቀ ትካላት ቝጠባ ንምድንፋዕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ንቝጠባዊ ሓርነት (ነፃነት) ነይ ምርግጋፅ ተኽእሎ ስለዘለዎም ክድነቕ እዩ ዝግባእ። ይኹን እምበር ንከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት እቲ ጉዳይ ከምኡ ኣይኰነን ። ከምቲ ቐዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብቲ ብ 2012 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ መጋባእያ(world economic forum) ዝተገብረ ምይይጥ ብዝሃቦ መግለፂ፡ ቍጠባ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኽፋላት ቍጠባ ልዑል ኪሳራን(ሓደጋን) ትሑት መኽሰብን ስለ ዘለዎ ብናይ ውልቀ ትካላት ክምላእ ዘይክእል ናይ ዕዳጋ ክፍተት ኣሎ  እዩ። ንቝጠባ ሓንቲ ሃገር ንምቕያር ዘድሊ ከም እኒ ኤሌትሪክን መጓዓዝያን ዝበሉ መሰረታዊ ነገራት ኣዝዩ ትሑት መኽሰብ ስለ ዘለዎ ብውልቀ ትካላት ዘይድለ ዓውዲ እዩ። ንኣብነት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ተዛዘመ እታ ሃገር ኤሌትሪክ ንወፃኢ ብምልኣኽ ልውጥ  ሸርፊ ወፃኢ ክትገብር  ትኽእል እያ። ብተወሳኺውን እቲ ኤለክትሪክ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ንዘምርታ ትካላት እውን ክውዕል ይክእል እዩ፡ ስለዚ በዝን ብኻልኦት ህንፀት ፕሮጀክትታት ኣቢሉ መንግስቲ ንቝጠባ ሃገር ክቕይሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን መንግስቲ ካብዚ ናይ መዋቕር ፕሮጀክትታት እንተ ደኣ ርሒቑ ንቝጠባ ኢትዮጵያ ምቕያር ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኢዩ። ከም ውፅኢት ናይዚ ድማ መንግስቲ ንቝጠባ ኣብ ምቕያር ኣገዳሲ ግደ ክፃወት ኣለዎ ።

       

      ኣብ ጐኒ እቲ ቐፃሊ ዝዀነ፡ ብልፅግና ፓርቲ ከም ብሓድሽ ዝተጠምቀ ኢህኣዴግ ማለት እዩ ከምኡ ‘ውን እቶም ኣብ ውሽጢ ኢህኣዴግ ዝነበረ መዋቕርን ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ብልፅግና ፓርቲ ‘ውን ኣለው። እዚ ከዓ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎ ፓርቲ ብመሰረቱ ምስቲ ናይ ቀደም ከም ዝመሳሰል እዩ ዝገብሮ ። ስለዚ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ተቓውሞታትን ለውጢ ስርዓትን ዝደጋገመሉ ሕሱም ዑደት ለውጢ ምምፃእ ዘይሕሰብ እዩ። ከም ውፅኢት እዚ ድማ መንግስቲ ንመሰረታዊ ድሌት ህዝብን ቍጠባን ዘማልእ ዝሰፍሐ መደብ ምዕባለ ብምድላው ነዚ ጕዳይ ንምፍታሕ ክፅዕር ኣለዎ ። ነቲ ዝሰፍሐ መሰራታዊ ድሌታት/ረብሓታት ንምምላእ ከዓ መንግስቲ ኣብ  ፅሬትን መንበሪ ኣባይትን ዝበለ ንዝተሓተ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ድሕንነት ፕሮጀክትታት ኣብ ምውፋር ከተኵር ኣለዎ ። ብተወሳኺውን ኣብ ከም መጓዓዝያ ዝበለ መሰረታዊ ነገራት ማለት ኣብ ምህናፅ መገድታት፣ ህዝባዊ መጓዓዝያን ኤለክትሪክን ከተኵር ኣለዎ። እዚ መሰረታዊ መዋቕር እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኰነ ኣብ ወፃኢ ዝርከብ ወፈራ ገንዘብ (ኢንቨስትመንት) ዝስሕብ እዩ፣ እዚ ኸዓ ስራሕ ንክህሉ ይገብር ከምኡውን ንጕዳይ ስእነት ስራሕ ብዝተወሰነ ደረጃ ክፈትሖ ይኽእል እዩ ።

       

Viewing 0 reply threads
Reply To: ለውጥን ቀፃልነት ፖለቲካዊ ቁጠባን/Political Economy/ ኣብ ኢትዮጵያ
Your information: