መከላኸሊ ሴኩላሪዝም

Home Forums መድረኽ መናኣሰ መከላኸሊ ሴኩላሪዝም

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #3616 Reply

      ብምሕረት ሳምሶን

      ሃይማኖት ንቡዝሕ እዋናት ብሰባት ማሕበራዊ ሂወቶም ፅዕንቶ እንዳሕደረ መፂኡ እዩ ፡፡

      ኢትዮጵያ ውን ካብዚ ዝተፈለየት አይኾነትን፡፡ ሃይማኖት  ኣብ ዉሽጢ ሂወት ኢትዮጵያውያን ፅዕንቶ ፈጣሪ ኾይኑ ቐፂሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ዉሽጢ ዘሎ ቦታ ነቲ ንቡዝሕ እዋናት ከምዝነበረ ማለትውን  ዝተበታዕተዐን ዝተሓላለኸን ይመስል ኾይኑ ምንም እኳ ዘመናውነት ብምምፅኡ ፅዕንቱዑ እንዳቐነሰ እንተመፀኳ ናይ ቐረባ ግዜ ኽስተታት ግና  እቲ ናይ ቐደም ፅዕንቶ  ዳግም ተመሊሱ ከምዝመፀ  ብግልፂ ኣርእዩና ኣሎ፡፡ ግና እቲ ጽዕንቶ ተመሊሱ ምምፅኡ ኹሉ ግዜ ፅቡቅ አይኮነን፡፡ ብሃይማኖትን ብፖለቲካን ማእኸል ዘሎ ርክብ ዝከታተል ኹሉ ካብ ቐረባ ግዜ ንድሕሪት ዝተኸሰቱ ኽስተታት እንታይ ዝኣክል ሓደገኛ ምኻኖም ፤ ናይ ሴኩላሪዝም መርሕ እንዳሸርሸረ ከምኡዉን ንብሔራዊ ሓድነት ስግኣት ምኹዋኑ የገንዝበና፡፡

      ብዘመናዊ መልክዕ ዘሎ ናይ ዓለማዊ መንግስቲ ሓሳብ  ካብ ብርሃን ዝመንጨወ እዩ፡፡ ብናይ ኦክስፎርድ ኢንግሊሽ ዲክሽነሪ አገላልፃ መሰረት ሴኩላሪዝም ማለት  መንግስቲ ካብ ናይ ሃይማኖት ትካላት ናይ ምፍላይ መርህ ማለት እዩ፡፡ ብተወሳኽውን ሴኩላሪዝም ማለት ሰባት ዝደለይዎ ሃይማኖት ናይምኽታልን ዘይደለይዎ ሃይማኖት ድማ ዘይምኽታል ከም ዝኽእሎ ዘረጋግፅ መርህ እዮ፡፡ መንግስቲ ብሃይማኖታዊ  ዛዕባታት ርሕቐቱ ሓሊዩ ንክኸድ ዝፈቅድ እንትኸውን ሰላምን ድሕንነትን ከሳብ ዘየፍረሰ  መንግስቲ ብሃይማኖት ውራይ ጣልቃ ንኸይኣቱ ይኽልኽል እዩ፡፡

      ብርግፅ ሴኩላሪዝም ማለት ናይ ሃይማኖት ትካላት ከምዝደለይዎ ንከይሰርሑ ሙሉእ ንሙሉእ ዝእግድ ማለት አይኮነን፡፡ እዚ ሓደ ሰብ መሰሎም ኣብ ሕቶ ውሸጢ  ዘእቱ እዩ ኢሉ ንክኣምን ክገብሮ ይኽእል እዩ፡፡ ግና  ከም ሰብ ሰራሕ  ነገራት ማለትዉን ናይ ድሕንነት፤ ናይ ንብረትን ጥዕናን መሰል ናይ ምርካብ መሰል አለዎም፡፡ ሴኩላሪዝም ማለት ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ፤ ኢኮኖሚያዊ ፤ ማሕበራዊ ከምኡዉን ባህላዊ ናይ ሂወት ክፋላት ምፍላይ ማለት እዩ፡፡  ንኹሎም ሃይማኖታትና ምእመናን  ናይ ናፅነትን ምክእኣልን ዕድል ይህብ፡፡  በዚ መርሁ ብምሙርኳስ ሃይማኖት ናይ ውልቀ ውራይ እዩ፡፡

      ግና መንግሰቲን ሃይማኖትን ሓደ ኾይኖም ክዋሃዱ ዝኽእሉሉ ሓደ ሓደ ኹነታት አለው፡፡ እቲ ቐዳማይ ነገር ናይ ፖለቲካ ሓድነት ማለትዉን ናይ ሕጊ ምውፃእ ኸይዲ ብሃይማኖት ትካላት እንትምራሕ ወይ ድማ ናይ ሕጊ መመንጨዊ እንትኾኑ  እዩ፡፡ እቲ ኻልአይ አብነት ድማ  ትካላዊ ሓድነት፤ ናይ ሃይማኖት ትካላት ምስ ናይ  መንግስቲ ትካል ብተመሳሳሊ ግዜ እንትምስረት እዩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ርክብ ድማ  ናይ ፍልስፍና ሓድነት  ወይ ድማ ናይ መወዳእታ ሓድነት እዩ፤ እዚ ማለት ድማ ናይ መንግስቲ ወይ ድማ ናይ ሃይማኖት ናይ መወዳእታ ዕላማ ከም ኻሊእ እንተገልግል ሓደ ኢና ንብል፡፡  ብተቀራኒ ድማ ምፍልላዮም ብዞም ዝስዕቡ ኽልተ መንገድታት ክግለፁ ይኽእሉ እዮም፡፡ እቲ ቀዳማይ ውልቀ ንውልቀ ርክብ ( ኢድ-ኣእታውነት ዘይብሉ)  እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ከባቢ ብምኽባር እዩ፡፡ ግና ንምፍላጥ ፤ ንምድግጋፍ ከተሓባበሩ አይኽእሉን ማለት አይኮነን፤ እቲ ትኽክለኛ ደረት ከይተጥሓሰ ብፅቡቕ ምምሕዳር ምድግጋፍ፡፡ እቲ ኻሊእ ገላፊ (አግላሊ) ርክብ  ዝኾነ መንግስቲ ኹሉ ግዜ ብሃይማኖታዊ ምንቅስቓሳት ተጠርጣሪ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ፅንፈኛ ቅርፂ መንግስቲ ናይ ሃይማኖታት ፀላኢ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡  መንግስቲን፣ ናይ ሃይማኖት ትካላትን፣ ናይ ውልቀ ሰባት ናፅነትን ካልኦት ተዛመድቲ ነገራት ጠንቂ እዮም ኢሉ እንተአሚኑ ሃይማኖት ናይ ምዕፋንን ፣ ናይ ምፍራስን ኣካይዳ ክኽተል ይኽእል እዩ፡፡ ንአብነት በፈረንጂ አቆፃፅራ ብ1789 ዓመተ ምሕረት ናይ ፈረንሳይ ፀረ- ወያነ ከምኡዉን ፀረ ቐሻዉሽቲ ተኸቲሉ ኣብ ፈረንሳይ ዘሰዐቦ ነገር እዚ ዝመስል እዩ፡፡

      ሴኩላሪዝም አብ ኢትዮጵያ

      ኢትዮጵያ ቡዝሓት ሃይማኖትን እምነታትን ካብ ዘለዎም ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሴኩላሪዝም ፅንሰ ሓሳብ መእተዊ ብአንፃራዊ ኹነታት ኣብ ቐረባ እዋን ዝርአ ኽስተት እዪ፡፡ ብዘመነ ነገስታት እዋን ምንም እኳ ናይ ሃይማኖት ማዕርነት እንተተገለፀ እኳ ፤ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትና  ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ደረጃ ካብ ዘለዎም ሃይማኖታት ኹሉ ብላዕሊ መሰል ኔርዋ፡፡  ቕድም ክብል ሃይማኖት እቲ ህዝቢ ብዝተወሰነ ስልጣን ንምሓዝ ከም መሳርሒ ይጥቀም ኔሩ፡፡ አብ ስልጣን ዘለው መብዛሕቲኦም ናይ ስልጣን አካላት ከም ዝመረፅዎም ብምእዋጅ ንዘይምኽሳስ መሰል ንምሕላው ፈቲኖም እዮም፡፡ በቲ ዘመን ንሱ ሃይማኖትን መንግስቲን አይነፃፀሉን ኔሮም፡፡ ናይ ንጉሰ- ነገስት ዘመን ኣብቂዑ ዳሓርዉን ብ 1974 አቆፃፅራ ፈረንጂ ደርጊ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ናይ ሶሻሊስት መንግስቲ ድሕሪ ምልዓል ኹነታት ተቐይሮም፡፡ ናይ ደርጊ ስርዓት ናይ ሃይማኖት ናፃነት፤ ማዕርነት ኸምኡውን ሴኩላር መንግስቲ ኣጣየሹ፡፡  ብተግባር ዝተገበረ ንምዝራብ ኣምልኾት ዘይብሉ አመለኻኽታ መምርሒ ዝነበሮም ናይ ሶሻሊስት ፖሊሲታት ናይ ሃይማኖት ናፅነትን ማዕርነትን ኣጊዱ እዩ፡፡ እዚ ብመንግስቲ ዝምራሕ ናይ ሃይማኖት ፅላኣት ብምርኣይ አብ ዝኾነ ሃይማኖት ሃይማኖታዊ መግለፅታት ናብ ስደት ኣኸቲሉ እዩ፡፡ እቲ ናይ አብዮታዊ ዕላማ ካብ ሃይማኖት ዝፀረየት ሶሻሊስት ኢትዮጵያ ምጥያሽ ብምኻኑ ሃይማኖታት ቦታ አይነበሮምን፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ብ 1995 አቆፃፅራ ፈረንጂ ብዝወፀ ናይ ኢፈድሪ ሕገ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ማዓርነትን፣ ኸምኡዉን ናይ ምምራፅ ተመራፃይነትን መሰል ተረጋጊፁ እዩ፡፡ ሲኩላሪዝም በቲ ዝወፀ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 11 መሰረት ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ከምዘየለ ብግልፂ ተቐሚጡ እዩ፡፡ በዚ ሕገ መንግስቲ ድንጋገ ውሽጢ መንግስቲን ሃይማኖትን ተፈላልዮም እዮም፡፡ እዚ ድማ ዘርእየና ብዝኾነ መንገዲ ክልቲኦም ትካላት ብሓደ ክርከቡ ወይ ድማ ክጣመሩ ከምዘይብሎም እዩ፡፡

      ኣንጻር ሓድነት

      ኣብ ኢትዮጲያ ካብ ቐረባ እዋናት ጀሚሩ ሃይማኖት ዋና መሳርሒ ፖለቲካ ምኹዋኑ ምሽጢር ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ምክፍፋል ብምፍጣር ኣፈላላያትን ጎንፂታትን ንኽፍጠሩ ውን ጌሩ እዩ፡፡

      መብዛሕትኡ ሰብ ኣማኒ ብምኹዋኑ ድማ ካብቲ ፖለቲካ ንላዕሊ ንሃይማኖቱ ቕድሚት ንክህብን በዚ ድማ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ዝተዛብዐ ኾይኑ እዩ፡፡

      ሃይማኖትን ፖለቲካዊ መንግስቲን ዝፈላለዩሉ መርህ ካብ ፍርቂ 1970ታት ብሕጋዊ መንገዲ ዋላ እኳ እንተጸደቐ በብግዚኡ ናብ መንበረ ስልጣን ዝመፁ መንግስቲታት ኢትዮጲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላትን መራሕቲ ሃይማኖትን ፀቕጢ ክገብሩ ቐፂሎም እዮም፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንውልቀ-ሰባት ካብ ሃይማኖታዊ ሓላፍነቶምን ስርሖምን ከባርሩዎም ተራእዩ እዩ፡፡

      ኣብዚ ሕጂ እዋንውን መብዛሕትኦም ምስ ሃይማኖት ዝተትሓሓዙ ፀገማት ፖለቲካዊ መንግስቲን ሃይማኖታዊ ትካላትን በበይኖም ዝሰርሑሉ መርህ አሰራርሓ ወይ ድማ ሴኩላሪዝም ብኣግባቡ ብዘይምትግባሩ ወይ ድማ ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ብምትግባሩ እዩ፡፡

      እቲ መርህ ኣሰራርሓ ብትኽክል ተግባራዊ እንተዘይተጌሩ ማዕርነት ሃይማኖት ኣይህልውን እዩ፡፡ ዝኾነ ዓይነት ዘይማዕርነት ድማ ኣንፃር ሓድነት ምኹዋኑ ኣይተርፍን፡፡

      ቐፂሉ ድማ ፣ ምስ መርህ ሴኩላሪዝም ኣፈላላይ ዘለዎም ገለ ፀገማት ንምግላፅ ክፍትን እየ፡፡ እዞም ፀገማት ብዙሕ ሰብ መርህ ሴኩላሪዝም ኣይተረድኦን ወይ ድማ ዕሽሽ ኢሉዎ እዩ ኢለ ንክሓስብ ጌሮምኒ እዮም፡፡ ካብዞም ፀገማት ውሽጢ እቲ ሓደ ፣ ብፖለቲካ ፓርቲታት ዝተሓቖፉ ምህላዎም እንትኸውን ፣ ንኣብነትውን እናት ውድብን ፣ ነፃነትን ማዕርነትን ውድብን ይጥቀሱ እዮም፡፡

      ገለ ገለ ሰባት ናይ ብልፅግና ውድብ ርእዮት-ዓለምውን ካብ እምነት ሃፍቲ ወንጌላውያን ዝተወሰደ ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡ ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣዚዮም ዝደልይዎ ነገር ኣብ ውሽጢ ሕሊንኦም ብምስኣል ዝደልይዎ ነገር ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይሰብኽ፡፡ ግና ዋላ ሓደ ውድብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶን ፀቕጢን ከምዘለዎ ኣይኣመነን፡፡ እቲ ምኽንያት ድማ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጲያ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ውድብ ንክሕቆፉ ኾነ ክንቀሳቐሱ ስለዘይፈቅድ እዩ፡፡

      ካሊእ ትካላት ሃይማኖትውን ኣብ ሞንጎኦምን ኣብ ሞንጎ ኦርቶዶክስን እስልምናን ናይ ምግላልን ዘይማዕርነት ፀገማት ከምዘለውን እንትገልፁ ምናልባሽ ሕቶ መስጅድ ኣብ አክሱም ካብቶም ፍሉጣትን ብተደጋጋሚ ዝላዓሉ ሕቶታት ሓደ እዩ፡፡

      ኣብ ካሊእ ከተማታትውን ብሕልፊ ድማ ናይ ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታንት ፀቕጢ ዘለዎም ኸተማታት በቲ ቕድም ክብል ዝነበረ መንግስቲ ዝተወሰደሎም ቦታ ወይ ድማ መሬት ንኽምለሰሎም ተደጋጋሚ ሕቶ ዋላ እኳ እንተልዓሉ እቲ ውራይ ዝምልከቶ ትካል መንግስቲ ድኹም ናይ ኣመሓድራ ሽግር እዩ ብምባል ነቲ ሕቶ ዕሽሽ ኢሉዎ፡፡

      ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስውን ብኣንጻሩ ንሓደ ወገን ንምሕጓስ ተባሂሉ ሕቶኣ ብዘይምምላሱ ኣብ ጉድኣት ከምዝኾነት እያ እትሕብር፡፡ እቲ ኻሊእ ብዛዕባ መሬት ዘሎ ፀገም ድማ ሃይማኖታዊ ስፍራታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኾይኑ ዝመሓደር ምኹዋኑ እዩ፡፡ ነዚ ፍሉጥ ኣብነት ከኣ ኣብ ዋልድባ ገዳም ዝርከብ ወልቃይት ናይ ሽኮር ፋብሪካ እዩ፡፡ መንግስቲ ናይ ልምዓት ኣካይድኡ ዝድገፍ ዋላ እኳ አንተኾነ ገለ ኣካላት ድማ ናይቲ ፋብሪካ አብ ከባቢ እቲ ገዳም ምኹዋን ነቲ ታሪካዊ ገዳም ሓደጋ ከምዘለዎ ይዛረቡ፡፡

      ብተወሳኺውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ- ክርስቲያናትን መስጊዳትን ተባሪዖም እዮም፡፡

      እዚ ድማ መንግስቲ ነዞም ሃይማኖታዊ ትካላት ድሕንነቶም ብግቡእ ክሕልወሎም ዘይምኽኣሉ ዘርእይ እንትኸውን እዚ ድማ መርህ ሴኩላሪዝም ዘየኽበረ ኾይኑ ንረኽቦ፡፡

      ነዚኦም ዝኣመሰሉ ጥቅዓታት ብኣንፃሩ ኣብ ድሕንነት ህዝቢ ዝፈጥሩዎ ኣሉታዊ ገፅታ ከምዘሎ ኾይኑ ፖለቲካዊ ፅዕንቶውን ክህልዎም ናይ ግድን እዩ፡፡

      ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ምእባለ ፅንፈኛ አተሓሳስባ ሃይማኖት ጎንፂ ኣብ ዘለዎም ኩነታት ከም መሳርሒ ክውዕል ከምዝኽእል ንፁር እዩ፡፡

       እዚኦምን ካልኦት ተታሓሓዝቲ ፀገማትን ኣብ ናይ ዕለታዊ ናብራና ክፍጠሩ ንርእይ ኣለና፡፡ ነቲ ቕድም ክብል ዝተገለፀ ኹነታት መሰረት ብምግባር ፖለቲካን ሃይማኖትን ነንባዕሎም ማዕረ ፀቕጢ ከምዝገብሩ ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡ ገለ ሰባት እዚ ፀገም ዘሎ ካብቲ ናይ ሴኩላሪዝም ፅንሰ-ሓሳብ ከምዝኾነ ዝገልፁ ዋላ እኳ እንተኾነ በዚ ሓሳብ ኣይስማማዕን፡፡ ቕድም ቐዳድም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፀገማት ንኽፍጠሩ እቲ ዋና ምኽንያት መርሓት ሴኩላሪዝም ዘይምርዳእ ከምዝኾነ ይኣምን፡፡ መብዛሕትኦም ትካላት ወይ ድማ ኣካላት ማሕበረሰብ ነቲ  መርህ ብግቡእ ዘይምርድኦምን በቲ ትኽክለኛ መንገዲ ኣብ ተግባር ብዘይምውዓሉ፣ካብ ኹሉ ንላዕሊ ድማ ካብ ፈለማ ብግቡእ ተግባራዊ ንዘይተገበረ ውራይ ምንቃፍ ትኽክል ኣይኾነን ኢለ ይኣምን፡፡

      ጭላንጭል ዋግዋጎ ብርሃን

      ኣብ ዓድና ሴኩላሪዝም ዋላ እኳ ኣብ ፈለማ እዋናት ድኹም አተገባብራ ይሃልዎ ከም ኢትዮጲያ ንዝኣመሰሉ ሃገራት ዘለዎ ጥቕሚ ቐሊል ዝበሃል ኣይኾነን፡፡ ሰባት ኣብ ቁሳዊ ዓለም ትኹረት ብምግባር ነቲ መንፈሳዊ ዓለም ክገድፍዎ ናይ ምግባር ኣሉታዊ ጎንታት ዋላ እኳ እንተሃለዎ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ንዝኽተል ዓዲ ኣዝዩ ወሳኒ ከምዝኾነ ይኣምን፡፡ ካብ ኹሉ ንላዕሊ መርሒ ሴኩላሪዝም ሰባት እምነቶም ብዘይምንም ፖለቲካዊ ፀቕጢ ንክኸተሉ ናፅነት ዝህብ እዩ፡፡ ግን ድማ ትካላት ሃይማኖት ንዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ተግባራት እንትፍፅሙ መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ኣይኣትውን ማለት ኣይኾነን፡፡  መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ ንዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ተግባራት ኣብ ዝፍፅሙን ሰላም ዝዘርጉን ኣካላትውን ኣድላዪን ግቡእን መፍትሒ ክህብ ግድን እዩ፡፡ ብተወሳኺውን ንኹሎም ሃይማኖታት ማዕረ ብምርኣይ ድሕንነት ከረጋግፅን ካብ ዝኾነ ትካል ሃይማኖት ዓርሱ ከርሕቕ ፣ ዜጋታት ዋላ እኳ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይሃልዎም ተኸባቢሮምን ተኻኣኢሎም ክኸዱ ትምህርቲ ክህብ ኣለዎ፡፡

      እዚ ሓላፍነት እዚ ኻኣ ናይ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኾነስ ናሃትና ናይ ዜጋታትውን እዩ፡፡ ንሕጊ ተገዛእቲ ብምኹዋን ኣብ ኣፈላላያትና ዘይኾነስ ሓደ ክገብሩና ኣብ ዝኽሉ ውራያት ትኹረት ክንገብር ኣለና፡፡

      መርሒ ሴኩላሪዝም እንድሕር ብግቡእ ተግባራዊ ዘይኾይኑ ናይ ውልቀ-ሰባት ናፅነት ሃይማኖት ፣ ናይ ሓሳብ ፣ ርኢቶን ናይ ምግላፅ ናፅነታት ክጣሓሱ እዮም፡፡ ኣብ እዚኦም መሰላት ፀቕጢ ናፅነት እንድሕር ዘይሃልዩ ድማ ምዕባለ ወዲ ሰብ ፣ መንፈሳዊነትን ኣተሓሳስባን ዝተገደበ ይኸውን ማለት እዩ፡፡

      ስለዙይ መርሒታት ሴኩላሪዝም ኣብ ቕድሚትን ማእኸልን ብምቕማጥ ተግባራዊ ምግባር ኣዝዩ የድልይ፡፡

      * ምሕረት ሳምሶን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ተምሃሪት ሕጊ እያ።

      ኣጀንዳ ሓታሚ እዚ ፅሑፍ : እዚ ፅሑፍ ካርድ መናኣሰይ ዝማዕበለን ልምዲ ሙሁራዊ ምይይጥ ንምዕባይ “ኣብ መድረኽ ምይይጥ መናኣሰይ” ካብ ዘተኣናግዶም ፅሑፋት ሓደ እዩ:: ኣብዚ ዓምዲ ንምትእንጋድ ወይ ድማ ነዚ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ እንተደልዮም ብ info@cardeth.org ኢሜይል ይግበሩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: መከላኸሊ ሴኩላሪዝም
Your information: