ኑኡሳን ጕጅለታት ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብን ፖለቲካን ንምትእትታው ዝግበር ፃዕሪ

Home Forums መድረኽ መናኣሰ ኑኡሳን ጕጅለታት ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብን ፖለቲካን ንምትእትታው ዝግበር ፃዕሪ

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #3638 Reply

      ብፀጋዬ ደጀን ዳባ*

      እታ ‘ንኡሳን’ እትብል ስያመ ሓንቲ ካብተን ኣብ እተፈላለየ ዓቐብን ትሕዝቶን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዝርከባ ተቓዋሚት ቃል ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣባልነት ብተዛማዲ ውሑዳት በዝሒ ህዝቢ ምስ ዝሓቘፈ ብሄር እዩ ዝተሓሓዝ። ይኹን እምበር ፖለቲካዊ ቐንዲ ነጥቢ እዛ ቃል እዚኣ እቲ  ህዝቢ፥ ማሕበረሰብን ፖለቲካውን ቦታ ብኸመይ ከምዚቆፃፀሮ ዝሕብር እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ብዛዕባ ሒደት ሰባት ዝገልፅ ኣምር/ኣበሃህላ ኣብ ማሕበራዊ፥ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት ከም ‘ዘይምምዝጋብ/ኣባል ዘይሙኻን’ ‘ምምዝጋብ/ኣባል ዘይሙኹዋን’ ከምኡውን ‘ትሕት ከም ዝብል’ ዝኣመሰለ ሱር ዝሰደደ መጣቐሲ ዘጠቓለል ኢዩ።

      እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ውሑዳት ብሄር ኣብ ሰለስተ ዝሰፍሐ ምድብ ክምደቡ ይኽእሉ እዮም። ውሱናት ደቀባት/ደቂዓዲ  ኣብታ ‘ሃገሮም’ ዝነብሩ ግን ከኣ ብሰንኪ በዝሒ ህዝቦም ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ሕፅር ዝበለ ግደ ዘለዎም ብቁፅሮም ድማ ንእስ ዝበሉ ነበርቲ ዝሓቘፈ እዩ። ካብ ካልኦት ዝተፈልዩ ውሑዳት ብሄር ናብተን ከባቢአን ዘይተመደባ እሞ ብሰንኪ ምምሕዳሮም ዝናኣሱ ቁፅሪ ዝዀኑ ሃገራት ዝጉዓዙ ጕጅለታት ኢዮም። እዞም ጕጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ መብዛሕትኦም ኣብ መበቈሎም ‘ዮም። እቶም ኣብ ትሕቲ ቝፅፅሮም ዘለዉ ውሱናት ሰባት ከም ሰራሕቲ  ማእሲ ቈርበት፥ ኣንጠረኛታት/ ስራሕቲ ሓፂን፥ ዓለባታት፥ ስራሕቲ ዕንጨይቲ፥ ሃደንቲ ከምኡ ውን ኣቕሽሽቲ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ጕዳያት ኣብ ዘይብሉ ስራሕን መነባብሮን ዝተፀምዱ እዮም።

      ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰለስተ ናይ ንኡሳን ብሄረ ሰባት  ዕንቅፋት

      ኣብ ፈለማ ቤት  ምኽሪ ፌደሬሽን  ኣብ መንጎ ህዝብታት ማዕርነት ንሓድነትን ንምድንፋዕ ቅዋማዊ ትእዛዝ ዘለዎ ቐንዲ ኣካል ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ፣ይኹንእምበር ኣብ ማሕበር  ውሱናት ህዝቢ ዝርከቡ ነበርቲን ስደተኛታት ሚዛኖም ስለ ዘይሓለወ ወይ ብምኽንያት እቲ ዓበይቲ ኣሰራርሓኡ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክፍፀም ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ኸኣ ካብ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፥ ካናዳ፥ ኣውስትራልያ፥ ስዊዘርላንድ ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ልምድታት ዘንቈልቍል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሰማንያ ብሄራት ፅልኢ ዘለወን ጕጅለታት ኣለዋ እንተዀነ ግን ሚዛኑ ስለዘይሓለወ ኣብ ውሳነ ናይ ምግባር መስርሕ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ድምፂ ስለ ዘለወን ንዕአን ዘዕቍበን ፍሉይ ሕጊ ስለ ዘየለን ብቐሊሉ ይበዝሓ። እተን ንኡሳን ብሄረ ሰባት ኣብ ሕጊ ኣሰራርሓ፥ ፖሊሲታት ንምትግባርን ምፍፃምን ፈደራላዊ መንግስቲ ሓያል ፅልዋ የብለንን። ኵሉ ውሳነታት ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብቐሊሉ ብዝበዝሕ ድምፂ እዩ  ዝውሰን።

      ስለዚ ካልእ ፍሉይ ሕጊ ወይ ልምድታት እንተዘይተገይሩ ተገዳስነት  ንኡሳን ብሄራት ከምዚሰፍን ወይ ከምዚ ዕቆብ/ዝክበር ጌርካ ክግመት ኣይከኣልን እዩ።  ቤት ምክሪ ተወከልቲ ህዝቢ ካብ ፖለቲካ ገዛኢ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ስለዘይኰነ  (ኣባላት ብቤት ምኽሪ መንግስቲ ስለ ዝሕረዩ እቶም ዋዕላታት እውን ብግዲኦም ተወከልቲ ኣባል ደገፍቲ ስለ ዝዀኑ ንልብን ኣእምሮን እቶም ሒደት ሰባት ንምርካብ ምሉእ ናፅነትን ማዕርነትን ስለዘይብሉ ንኡሳን ዓሌት ብሄረ ሰባት መሰላት ንምድንፋዕን ንምሕላውን ቅኑዕ መገዲ ኣይኰነን። እቶም ቅዋማዊ ደያኑ ብርእሶም ዚመሓደሩ ንዘየዳሉን እንተዘይኰይኖም እቲ ሕገ-መንግስታዊ ፍርዲ ነቲ ንኡሳን ብሄራትን ብሄረ ሰባትን መሰላት ንምድንፋዕን ንምሕላውን እተገብረ ዕላማ ኣይበፅሖን ወይ ኣይብፅሖን እዩ።

      ካልኣይ ብዛዕባ እቶም ካብ ዓቕሞም ወፃኢ ዝዀኑ ውሑዳት ጕጅለታት [ኣብ ውሽጢ ሓደ መደብ  ዘለዉ ንኡሳን ዓሌት ብሄረ ሰባት] እቶም እተፈላለዩ ዓሌታት ኣብ ፈደራላዊ ግዝኣት ዝርከቡ ዓበይቲ ንሃገራውያን ጕጅለታት ዘለዎም ርእስኻ ናይ ምቍፅፃር ክልታት ፅኑዕ ፅንሰ-ሓሳብ ከምዝህልወካ እዩ ዝገብር። እቲ ዝምረፅ ኣሃዱ ወይ መንግስቲ ሓደ ዓበይን ሃገራዊ ጕጅለ ስልጣን ይህበና። እቲ ቐንዲ መዳይ ናይቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣሃዱ ዘሎ ክሊ ምቍፅፃርን ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላት ምቍፅፃርን ኢዩ። እቶም ገዛእ ርእሶም ብምምሕዳር ናይ ምቍፅፃር ሓላፍነት ዘለዎም ኣውን ኣገዳስን ጕጅለን ገዛእ ርእሶም ምስቲ ከም እትቈፃፀሮ ዚዛረበሉ ኽሊ ኣፀቢቖም እዮም ዚሰማምዑ። በዚ ምኽንያት እዚ ዞባዊ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዓሌታዊን ክልላዊን ሃገር ከም ዝዀነት ጌርካ እዩ ዝርአ። ኣብዚ መዳይ እዚ  ገዛእ ርእስኻ ምግዛእ ነቲ ዓብላሊ ሃገራዊ ብሄራዊ ዓሌት ሓይሊ ከም ዚህልዎም ዝገብር እኳ እንተዀነ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወገን ዝነብሩ ውሑዳት ሰባት ግን ምሉእ ትርጕም እዩ ዘለዎ።

      እዚ ክሊ ምሉእ ብምሉእ ምምርማሩ ንዓሌታዊ ሃገራዊ ጕጅለ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ወይ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዝርከብ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ምቕያርን ንንኡሳን ማሕበረሰብ ካብ ፖለቲካ ነፃ ምግባሩን፥ ምኽንያቱ እዚ ኣሃዱ እዚ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ መንጎ እተን ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ግርጭታት ናይታ ሃገር ሱር ዝሰደዳ ዓሌታዊ ሃገራውነት ዘለወን ጕጅለታት ከምኡውን ኣብ ውሽጢ መንግስታት ዝርከባ ውሑዳት ብሄራት ኣብ ኢትዮጵያ ውጥረትን ግጭታትን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

      ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣሃድ ዝርከባ ዓሌታት ኣባላት ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣድልዎ የጋጥመን (ንኣብነት)ኣብ ስራሕ ናይ ወፍሪ ኣጋጣሚታት ከምኡውን ናይ ዕዳጋ ውድድር ክምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ መሬት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ድሩት ምዃኑ፥ ሕጊ መንግስቲ ንቝጠባዊ ስደተኛታት መሬት ናይ ደቀባት ማሕበረሰብ ምዃኑ ዝገልፅ መሬት ከይረኽቡ ይኽልክሎም ፖለቲካዊ ኣድልዎ (ግድን ኣብ ፈፃምን ሓጋጊ ኣካልን ኣካል ናይቲ ዞባዊ መንግስቲ ወይ ናይቲ ኸባቢ መንግስቲ ኣይውከሉን ኢዮም) ፣ኣብ ምርጫ ካብ ምጕያይን ከም ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰለ ህዝባዊ ስልጣን ካብ ምሓዝን በደላት የጋጥሞም እዩ፣ ምክንያቱም ዘይምልከቶም ዓሌታት ጥራይ ከምዝዀኑ ጌርካ እዩ ዝርአ ) ካብኡ  ብተወሳኺ ውን ምምሕዳራዊ ኣድልዎ የጋጥሞም እዩ።

      ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወገን ኣብ ዝርከብ ዞባታት ዝተፈላለየ መዳያት ዘለዎ ፍልልይ እናስፍሐ ኣብ ኵሉመዳያት ህይወት ምስ ዓሌታዊ ሃገራዊ ጕጅለታት ይራኸቡ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ነዞም ውሑዳት ዓሌት ሰባት እዚኣቶም ፖለቲካ ምእታው ምንጪ ኽትዕ ኰይኑ ኣሎ ። ንንኡሳን ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ከኣ ነቲ ዓሌታዊ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ዝዓየሉ ዘሎ መንገዲ እንደገና ምምርማር ይሓትት እዩ ። ኵለን ዞባታት ቅዋማዊ ዀነ መንግስታዊ ድሩትነት ስለ ዘለወን እተን ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣሃድ ዝርከባ ንኡሳን ብሄረሰባት ብፖለቲካዊ መዳይ ዝነብሩ ኣለዎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣሃድ ዝርከቡ ንኡሳን ብሄረሰባት ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ብምትሕብባር ብዛዕባ ኣሰራርሓን ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ዓሌታዊ ፈደረሽን ዓሚቝ ምርምር ክገብሩ ጻውዒት ክቀርበሎም ይግባእ።

      ሳልሳይ፥ ብመሰረት ሱዛን ኢፕል (2018 ገፅ. 173) ‘ኣብ ውሽጢ እዚ ኽሊ እዚ ምፍልላይ ዘምጽእ ኣጠቃቅማ ፅያፍ ቃላት ምቅብባል ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ንፁር ዝኮነ ጉዳይ እዩ።… ካልእ ነውሪ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣባላት ትሑትን  ልዑል ደረጃ ዘለዎም ዓሌት ምምርዓው ፅያፍ ከም ዝኾነ ‘ዩ። ቅዋም ፌ.ዴ.ር.ኢ  ፈደራላዊ  መንግስቲ ንዓሌት ከም እንኮ ናይ ምውዳብ ስርዓት ገይሩ ኢዩ ዝሓስቦ እንተ ዀነ ግን ነቶም ኣብ ከባብያዊ ወይ ፈደራላዊ ኣሰራርሓ ጕጅለታት ከም ስደትኝንት ገይሮም ዝርእይዎ ወይ ዘይምምዳቦም ንኡሳን ተባሂሎም ዘይፅውዑ ውስናት ሰባት ዝወሃብ ቅዋማዊ ውሕስነት ዕሽሽ ኢልዎ እዩ።

      በዚ መሰረት እዚ ብዙሓት ሰባት ኣድልዎ ይወርዶም፣ይግለሉ ፣ይህሰዩ ከምኡውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዝነበረት ኢትዮጵያ እዱባት ኰይኖም ይነብሩ። ንኣብነት ኣብ ደቡባዊ ኣምሓራ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ኤኒውዋሪ፣ ዎሬዳ፣ ቤተ እስራኤል ከምኡውን ዞባ ዋይቶ – ኣምሓራ ሃዲቾ፣ ማና ማና ከምኡውን ‘ፉጋ’- ጣውላ ሰራሕተኛታት’ ዝበሃሉ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ክልል(ብሄር ብሄረ ሰባት ህዝብታትን ክልል ደቡብ) ይርከቡዎም፡፡

      ንቕድሚት ዝግስግስ መንገዲ

      ቅዋም ኢትዮጵያነቶም ውሑዳን ዝዀኑ ብሄራት ጕጅለታት ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ንኡሳን ጕጅለታት ዝተተሓሓዘ ዝተወሰነ መሰላት ከምዝህብ ኣየጠራጥርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ፈደራላዊ ወይ ሃገራዊ ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸበ ብሄርታውነት ዘለዎ ብሄረሰብ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ (ቤት ምክሪ ፌደሬሽን) እንተወሓደ ሓደ ተወካሊ ኣለዎ። እቶም ካብ 100,000 ዝውሕዱ ሰባት ዘለዉዎም ኣናእሽቱ ብሄራት ምሉእ ብምሉእ ዘይሓበሩ እኳ እንተዀኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 20 ወንበር ኣለዎም። ነቶም ተወከልቲ ዘይኰኑ ጕጅለታት ኰነን ኻልኦት ንኡሳን ጕጅለታት ዝበለፀ ትርጕም ዘለዎ ግደን ክህልዎ ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ መቝፀርያ ክግበር ኣለዎ። ስለዚ እቲ ሕገ-መንግስታዊ ትርጕም ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንዘለዎ ሓይሊ እንደገና ክምርመር ዝበለፀ ነፃን ኣድልዎ ዘይብሉን ኣካል  ክፍሊ ፍርዲ በቲ ኣብ ካልኦት ፈደረሽን ዝግበር ዘሎ ናይ ፍርዲ ተሓድሳት ኣድላዪ እዩ።

      ነቲ ኣብ መንጎ ውሑዳት ብሄራት ዘሎ ፀገም ምምርማር፣ ንንኡሳን ማሕበረሰብ ዘተሓሳስቦም ጕዳያት ንምፍታሕ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝውቱር ዝዀነ ኽልተ ፀገማት ክፍፍል ስልጣንን ሓበራዊ ዝኾነ ድምበር  ኣፈላላይ ምፍታር ወይ ናይ ወፃኢ ርእስኻ ናይ ምቍፅፃር ኣማራፂ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ፌደሬሽን ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ኣሃዱ ምስ መሰላት እቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣሃድ ዘለዉ ብሄራት ዘለዎ ተኣዛዝነትን ምቍፅፃር ቅዋማዊ ስልጣን ይወሃቦ እዩ። ሕገ-መንግስታዊ ሱር ዝሰደደ መሰላትን ፅኑዕ ናይ ምትግባር መስርሕን ነቲ ናይ መብዛሕትኦም ጭቈና ሓደጋታት ከፋዅሶን ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣሃድ ንዝርከቡ ብሄራት መሰላት ክፈትሖ ይኽእል እዩ። ነቲ ብሄርታውያን ጕጅለታት ገዛእ ርእሶም ንኽገዝኡ ዘለዎም መሰል ስለዘይፃረርዎ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣናእሽቱ ብሄራት ዝወርድ ሕማቕ ሳዕቤናት ካብ ጕድለት ተወከልቲ ንምንካይ ስለ ዝዓለመ መመላእታ ስጕምትታት ክውሰድ ኣለዎ።

      እቲ ቐዳማይ መዳይ ናይቲ ስልጣን ንምክፋል እተገብረ ምድላው እቶም ቀንዲ ኽፍልታት ሕብረተሰብ (ንንኡሳን ብሄረሰባት ማሕበረሰብ እውን ሓዊስካ) ዝውክሉ ቐንዲ ፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ኣብቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕን ኣብ ፈደራላዊ ሓባራዊ ኣሃዱ ወይ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ትካላት ምትእትታው ኢዩ። ካልእ ኣገዳሲ ኽፋል ምምሕዳር ዞባ ዘይኰነ ነገራት ከኣ ብዛዕባ እተበታተኑ ብሄርታዊ ፍልልይ ዝገልጽ ባህላውን ልማዳውን ርእስኻ ናይ ምቍፅፃር ስርዓት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ውን ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ብሄራት ካብ  ሃገራዊ ዝበዝሑ ሰባት ክወርደን ዝኽእል ጭቈናን ኣድልዎን ከም መጕዚ ዀይኑ ንኸገልግል ስልጣን ምሃብ እውን ክድለ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዩኒት ዝርከብ መሰላት ንመሰላትን ናይ ውልቀ-ሰባት ንምርግጋፅ ብሰፊሑ ዝዝውተር ስጕምቲ ኣብ ቅዋም ፈደራላዊ መንግስቲ (ኣብ ቅዋም መንግስቲ እውን) ስፍሕ ዝበለ ዝርዝር መሰረታዊ መሰላት ምእታው ከምኡ ውን በቲ ፅኑዕ ኣብያተ-ፍርዲ እውን ሓዊስካ ብመንግስታዊ መስርሕ ከም ዝፍፀም ምግባር ኢዩ። እዚ ኣዋጅ እዚ ብቐዳምነት ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ እኳ እንተዀነ መንግስትታት ግን ካብ ብፌደራላዊ ቅዋም እተሰርዐ መዐቀኒታት ዘይኰነስ ዝሓሸ መሰላት ብምሃብን መሰላት ከመሓይሽዎ ይኽእሉ እዮም።

      ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብ መዋቕር መንግስቲ ማሕበረሰብ ከምኡ ውን ካልኦት ኣህጉራውያን ተሳትፎ ዘለዎም ዓሌታዊ ጕጅለታት ብምኽንያት ስርሖም ነቲ ዝተፈጠረ ሕልኽላኻት ንኡሳን ዓሌት ክዛረብዎ ኸለዉ ነዞም ህዝብታትን ማሕበረሰብን ሰፊሕ ስልጠና ንሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰለ ስሉጥ ስጕምትታት ክወስዱ ኣለዎም። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነዞም ኣብ ትሕቲ ቝፅፅሮም ዘለዉ ንኡሳን ብሄራት ምብፃሕ ፅዑቕ ማሕበረሰብን ፖለቲካውን ካልእ ሓይሊ ንምርካብ ከምኡ ውን ነቶም ፅጉማት ብህንጥዮት እተጠዋወየ ጂኦግራፍያውን ባህላውን ባእታታት ንምርካብ ፃዕሪ ኽግበረሎም ኣለዎ።

      ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እቲ ቐንዲ ነጥቢ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ፍታሕ ንምርካብ ዚግበር ፃዕሪ ንዅሉመዳያት ማሕበረሰብን ፖለቲካን እታ ሃገር ዲሞክራስያዊ ኣብ ምግባር እተመርኰሰ ክኸውን ኣለዎ፣ ነቲ ንኡሳን ብሄራት ኣብ ማሕበረሰብን ፖለቲካን ንምእታው ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሓቂ ፀገም ንምፍታሕ ብዝግበር ግብራዊ ስጕምትታት ክድገፍ ኣለዎ።

      *ፀጋዬ ደጀኔ ዳባ ኣብ አምቦ ዩኒቨርሲቲ መምህር እንትኸውን፤ኣብዚ ኸዚ ግዜ ድማ ናይ ዶክትሬት (ፒ.ኤች.ዲ) ዲግሪኡ ኣብ ሃሮማያ ዩንቨርሲቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

      ኣጀንዳ ሓታሚ እዚ ፅሑፍ : እዚ ፅሑፍ ካርድ መናኣሰይ ዝማዕበለን ልምዲ ሙሁራዊ ምይይጥ ንምዕባይ “ኣብ መድረኽ ምይይጥ መናኣሰይ” ካብ ዘተኣናግዶም ፅሑፋት ሓደ እዩ:: ኣብዚ ዓምዲ ንምትእንጋድ ወይ ድማ ነዚ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ እንተደልዮም ብ info@cardeth.org ኢሜይል ይግበሩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: ኑኡሳን ጕጅለታት ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብን ፖለቲካን ንምትእትታው ዝግበር ፃዕሪ
Your information: