ኢትዮጵያ ናይ መን እያ?

Home Forums መድረኽ መናኣሰ ኢትዮጵያ ናይ መን እያ?

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #3459 Reply

      ብፅዒት ዓለሙ

      ብዛዕባ እዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ዅነታት፣ ምይይጥ/ዘተ ክግበረሉ ከሎ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ሕብረተሰብ ለውጢ ስለዘምፀአ፣ ካብቲ ናይ 1960 ዓ.ም.ፈ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ (ም.ተ.ኢ) ክተምልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ወሳኒ ለውጢ ዝተገበረሉ ወቕቲ (turning point) ገይርካ እዩ ዝርአ፤ ብፍላይ እቲ ምንቅስቓስ ነቲ ንነዊሕ እዋን ከም ነውሪ ጌርካ ዝረአዩ ዝነበሩ ናይ ዜግነት፣ ሃይማኖታዊ ማዕርነት ከምኡ’ውን መሰላት መሬት ዝምልከቱ ሕቶታት ዝቐረፀን ጕዳያቶም ኣብ ህዝባዊ መደረ ከም ዝቐርቡ ዝገበረን እዩ።

      ስርዓት ደርጊ ምስ ዓለወ ብናይ ኣውሮጳውያን ኣቆፃፅራ ብ 1991 ናብ ስልጣን ዝመፀ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ግንባር (ኢ. ህ. ወ. ዲ. ግ) ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሕድሕድ ውግእ (1974-1999) ብብሄር ተውዲቦም ዝጋደሉ ዝነብሩ ውድባት ንምትዕራቕን ፍታሕ ንምሃብን ካብ ናይ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጰያ ዝወረሶ ውርሲ ከምዝወሰደ ይእመን። በዚ መሰረት፣ ኢ. ህ. ወ. ዲ. ግ. ናይ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ናይ ብሄርን ብሄረሰባትን ምትሕንፋፅ ንምትእንጋድ ከም ሓደ መንገዲ ገይሩ ዝወሰዶ፣ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ከም ናይ ምምሕዳር ስርዓት ገይሩ ኣቕረበ፣ እዚ ድማ ንናይ ባዕርስኻ ዕድል ባዕርስኻ ናይ ምውሳን ኣፍልጦ ስለ ዝሃበ፣ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሂወት ዋና ማእኸል ክኸውን በቕዐ። ብብሄራዊ ፌደራሊዝም ኣቢሉ ንጉዳይ ናይ ብሄራት ብዙሕነት ክፈትሖ ፈቲኑ። ይኹን ድኣ’በር፣ ኣብ ናይ መጠረሽታ መጠረሽታ እዚ ኹነታት ኢትዮጵያ ናብ ናይ ፖለቲካ ግጭት ክትአቱ ዝገበሩ ቀንዲ ምኽንያታት፣ አብ ናይ መንግስቲ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቑጠባውን መዋቕር እታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ዝተፈላለየ ናይ ዜግነት ሕቶታት ስለ ዘልዓለ፣ ዓሌት ሰይፊ ናይ ፖለቲካዊ ግጭት ኾይኑ፣ ፖለቲካዊ ሂወት ኢትዮጵያ ኣብ ዓዝቕቲ  ንኽትኣቱ ገይርዋ።

      ኣብዚ ቐረባ እዋን፣ ብዛዕባ እቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ንምቁፅፃር ዝሕግዝ ዝበለፀ መንገዲ እቶም ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኽልተ ተፃራሪ ኣንፈት ይስሕባ ኣሎ። ብሓደ ወገን፣ ብዙሕነት ተቛማዊ ብዝኾነ መልክዑ ናይ ርእስኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን ኣፍልጦ ንኽረክብ ዝሟጎቱ ኣለዉ። በቲ ኻልእ ወገን ኸዓ ብሰንኪ እቲ ዓሌታዊ ፅልኢ ዘስዓቦ ምፍልላይ  ውፅኢት ነዚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕማም ርእሲ ናይታ ሃገር እንኮ መድሓኒት ሓድነት ከም ዝዀነ ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ኣለዉ። እዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኽትዕ በቲ እቶም ብ1960 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኽልተ ርኡያት ሰባት ዋለልኝ መኮነንን ኢብሳ ጉተማን ዝገበርዎ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ናይ መን እያ ? ኢትዮጵያዊኸ መን እዩ? ዝብሉ ሓሳባት ከንፀባርቑ ዝፈተኑ እዮም ።

      ዋለልኝ መኮነን ብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ናይ ህዝብታት ማዕርነትን ፍትሕን ዝምልከቱ ሱር ዝሰደዱ ጉዳያት ናይ ብሄር ሕቶ ብምልዓል ነቲ ሕቶ ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዘምፅአ ፅሑፍ ኣሕቲሙ ነይሩ። ነቲ ከም ነፃልን ሓቛፍን ገይሩ ዝቑፀር፣ ንሱ “ሓሳዊ ኢትዮጵያዊ ብሄርተኝነት” ኢሉ ዝፅውዖ ነፂግዎ እዪ።  እዚ “ባህሊ ኣቢስኒያ” ዝበሃል ነገር፣ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ባይታ ዝኽልክልን ዝተፈላለዩ ባህልታት ንምምካኽ ከም ድስቲ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረን እዩ።  ማዕርነት ንምህናፅ ብዝድርኽ ኣብ ዓመፅ ዝተመስረተ ቃልሲ ኣቢሉ ናይ ሓቂ ሃገራዊ መንግስቲ ክሃንፅ እውን ፃውዒት ኣቕረበ፣ ከምቲ ዋለልኝ ዝበሎ እቲ ቃልሲ (ወያነ…….ናይ ኩሎም ብሄረሰባት ኤኮኖሚያዊን ባህላውን ናፅነት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ህዝቢ ነፃ ምውፃእ)” እዚ ኸኣ ነቶም ድሕሪ 1991 ዓ.ም.ፈ ናይ ፖለቲካ ቦታ ብፀብለልታ ዝተቖፃፀሩ ናይ ብሄር-ብሄርተኛ ሓይልታት መሰረት ኮኖም።

      ዋለልኝ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ሕቶ፣ ፍሉይ ጠመተ ዝሃቦ ክኽውን እንከሎ፣ በዚ ጉዳይ እዚ እውን ቆራፅ ነይሩ። ንሱ ኣንፃር እቶም ንናይ ባዕርሳቶም ዛዕባታት ጥራሕ ዝቃለሱ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት እዩ ነይሩ። የግዳስ፣ ዋለልኝ ናይ ካልኦት ክልላት ቃልሲ ንምድጋፍን ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ መንግስቲ ብሓባር ንምምስራትን ዓለም-ለኻዊ ዝኾነ ኣመለኻኽታ የድሊ ባሃላይ እዩ።  ይኹን ድኣ’በር፣ ናቱ ዋና ጉድለት፣ ሓቀኛ ብሄረ መንግስቲ ንምህናፅ ዘኽእል ብሕታዊ መንገዲ ብረታዊ ቃልስን ወያናይ ለውጢን (Revolution) ጥራሕ እዩ ኢሉ ምእማኑ እዩ። ኣብዚ ዋለልኝ ባዕርሱ ዘለዓዓሎም ጉዳያት፣ ኣብ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ታሪኽ ሱር ዝሰደዱ ስለዝኾኑ ኩሎም ሰባት ናብ ናይ ሓባር ዛዕባን መትከልን ንምልዕዓል ብመፈለምታ መልሲ ዝደልዩ ብርክት ዝብሉ ሕቶታት ከም ዘለው ምርስዑ እዩ።

      ካልእ ኣብ ናይ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ደሚቑ ዝርአ ዝነበረ ኢብሳ ጉተማ፣ ንቕሓት ብዝህብ ፖለቲካዊ ግጥሚ ብምፅሓፍ በቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝገበረ እዩ። እቲ ግጥሚ ኢትዮጵያዊ መን እዩ?” ዝብል ሓደ ወሳኒ ሕቶ ዝድህስስ ክኸውን እንከሎ፣ ብኡ አቢሉ’ውን ምስጓም ናይ ብሄራዊ ሕቶ ብግጥሚ ብልጭ ዘብል እዩ። ኢብሳ ብብሄረሰብ ኮነ ብደርባዊ ወናንነት “ኢትዮጵያዊ መንነት” ዝፃባእ ዝንባለ የርኢ ነይሩ። ናይ ኢትዮጵያ ብሄርታዊነትን ናይ ሓድነት ዓቢ ምስሊ ናብ ምህሳስ/ምድብዛዝ ዘምርሑ ክፍተታት ዝፈጠረ ናይ ደርብን ናይ ብሄራዊ ፖለቲካን ውፅኢት የተሓሳስቦ ነይሩ።

      ኢብሳ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ መፃኢ ዕድል ዝምልከት ተጨኒቑ ነይሩ፣ እቶም ክፍተታት እንተድኣ እናገደዱ ኸይዶም፣ ኢትዮጰያዊ መን ከምዝኾን የተሓሳስቦ ነይሩ? ኣብ ግጥምታቱ ከምዚ ክብል ሐቲቱ፦

      ኣቱም ጥበበኛታት ንገሩኒ

      ኢትዮጵያዊ መን እዩ?”

      “Tell me, O you who are the wise

      The conundrum of who an Ethiopian is?” 

      ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ፣ እንተድኣ ኩላህና ብናይ መንነት ጠቆምቲ ተደሪኽና ኣብ ዝተፍላለዩ ጉጅለታት እንተድኣ ተመዲብና፣ ብዛዕባ ኣየና ኢትዮጵያ ኢና ንዛራረብ ዘለና? ዝብል እዩ። ንሱ ንዝንባለ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ፅላል ደርቢ ወይ ብሄር ክሕብኡ ዝደልዩ ሰባት ይነቕፎም እዩ። ኢብሳ እቶም ብደርቢን ብብሄርትነትን እናተንቀሳቐሱ ምስታ ዅላትና እተወለድናላ ሃገር ኢትዮጵያ ንኸይንቀራረብ ዝገብሩ፣ ኣብ ኣእምሮ ክቕመጡ ዘለዎም ፍታሓት ይደሊ ነይሩ።

      ዋለልኝን ኢብሳን ንማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ናብራ እቲ ህዝቢ ብምምርማር ምስዚ ዝተሓሓዝ ምይይጥ ገበሩ። እቲ ቐንዲ ሕቶታቶም ገና መልሲ ኣይረኸበን፣ ከም ውፅኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ዝወዳደሩ ፖለቲከኛታት መበገሲ ባእሲ ዀይኑ ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መድረኽ ክልተ ዓበይቲ መጎት ከም ዘለና ንፁር እዩ፣ እቲ ሓደ ንዘበናት ከይተተንከፈ ዝፀንሐ፣ ምስ ኣፍልጦ ናይ ብዙሕነት ዝዛመድ እዪ፣ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ኣፍልጦን ናይ ባዕርስኻ ባዕርስኻ ናይ ምምሕዳር መሰል ንምርካብ ኣብ ብሄረሰብ ዝተደረኸ ምንቅስቓሳት የድሊ ዝብል ክኸውን እንከሎ። እቲ ኻልእ፣ ምስ ብሄራዊ ምንቅስቓሳት ዝፃባእ ምስ ሓድነት ዝተተሓሓዘ እዩ። ናይ ብሄራት ብዙሕነት ተቛማዊ ዝገበረ ናይ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ንኽፈርስን ኣብ ናይ “ኢትዮጵያ ብሄርታዊነት” ዝተመስረተ ሓድነትን ዝሓትት እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ጉጅለታት ዝካየድ ዘሎ ውድድር፣ ናይ ዋለልኝን ኢብሳን ሕቶታቶምን ስግኣታቶምን ክነልዕል ናይ ግድን ይብለና። እንተኾነ ግና ኣብዚ ግዜ ከምቲ ናይ ኢህወዴግ ኣገዛዝኣ ዝገበሮ፣ ነቶም ቅኑዓት ዝኾኑ ሕቶታት ግን ከኣ ብግጉይ ዝተረዳእናዮም፣ መልሲ ኽደሊ ኸሎ ዝገበሮ ጌጋ ንሕና ኣይንገብሮን ኢና።

      ፅሑፍ ናይ ዋለልኝ፣ ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ጉዳይ ንምፍታሕን ኣፍልጦ ንምሃብን ወሳናይ እዩ። ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ብሄር-ብሄረሰባት ሃገር ምዃናን ብዙሕነትናን እንተድኣ ነፂግናዮ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ፍታሕ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ እንተ ዘይተቐቢልናዮ ንቕድሚት ኣይክንስጕምን ኢና፣ ምኽንያቱ ብታሪኻዊ ኣዝራርባ ንዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ቅድም ክብል ንዝበፅሖም ጉድኣት ካሕሳ ንኽውሃቦም ሕቶ ንዘልዕሉ ኹሎም ኣፍልጦ ምሃብ ዘይከኣል እዩ። ምስ ሓደ ዓብዪ ፅልዋ ዘለዎ ጕዳይ ተፈላጥነት ዝተሓሓዝ ሕቶታት እንተ ዘይፈቲሕና ምፍልላይ እናገደደ እዩ ዝኸይድ፣ ምፍጣጥን ግጭትን እውን እናገደደ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ በበይኑ ዝዓይነቱ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተፈላጥነት ዘይምርካብ ከምኡ’ውን ንሕድሕድና ብምድጋፍ ንድሕነት መንግስቲ መሰረታዊ ፍታሕ ምርካብ ኣድላዪ ምዃኑ ኽንቅበሎ ኣለና።

      ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ብሄራዊ መንነት ኣብ ፖለቲካ ስለ ዝኣተወ ብፖለቲካ ተመሊኡ ተናሓናሒ ብሄርትነት ኣብ ጫፍ በፂሑ ንርእሱ ብስልጣን ፖለቲካ፣ ብወተሃደርነትን ብኣኽራሪነትን ኣብ ዝግለፅሉ ብርኪ በፂሑ ኣሎ። ዕጡቓት ጕጅለታት ምብዞሖምን ብዛዕባ ታሪኻዊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ዝገልፅ ንሕድሕዱ ዝወዳደር ዛንታታትን ኣብ መንጎ ብሄረሰብ-ብሄርተነት  ዘለዎም ጕጅለታት ዘይተፀዋርነትን ግጭትን ከም ዝለዓዓል ብምግባር “ንሕና” ኸምኡ’ውን “ንሳቶም” ዝብል ተፃራሪ  ሓሳብ (dichotomy) ዝፈጥር እዩ። ስለዚ ብዛዕባ መሬት ዝምልከት ሕቶ ኣብ ማእከል ኮይኑ እቲ ዘሕዝን ግን ናይ መን እዩ ዝብል ግን መልሲ ኽንረክብ ኣይከኣልናን።

      ናይ ዘበናዊ መንግስቲ ምጥያሽ ከይዲ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅርፂ ናይ ኢትዮጵያ ካርታ ዝሃበ ክኸውን እንከሎ፣ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ጉጅለታት ሓቢሮም ንኽነብሩ ዕጭኦም ኮይኑ እዩ። ብኻልእ አበሃህላ ኣብታ ምችውትን ዝሓየለትን ብህይወት ዝቕፅል ፖለቲካዊ ዓለም ሓንቲ ድልድልቲ ሃገር ንምቛም ሓድነት ምጕላሕ ይሕሽ፣ ኣናኣሽቱ ሃገራት ካብ ምዃን ዉን ፤ ስለዚ ነቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ሓሳብ ኣብ ክንዲ እንነፅጎን ናብቲ ዝነበረትሉ ቦታ ኽንመልሶ ዕማምና ነቲ ናይ ኵሎም ማሕበራዊ ጕጅለታት ፍልጠትን ስርዓታትን ባህልን ምጥቃም ዘጠቓልል ውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ እዩ ። ሎሚ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ኣብ መላእ ዓለም ከም እትመጽእ ዝገበረላ ሃገር በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይና ከይነኽብርን ኣፋፍኖት ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዝፀሓፍ ከም ክቡር ካርታ ኸይንጥቀመሉን ዘገርም እዩ።

      ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልፀ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ልሙድ ሓድነት ንምዕቃብ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ፍቓድ ናይ ምርካብ ክእለት ዘለዎ ዓብላሊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ። እቲ ዘተሓታትት ጕዳይ ኣብቲ ከም መዕቈቢ ጌርና እንርእዮ ቦታ ሓድነት ከም ዝህልወና ንምግባር እንታይ ዓይነት መሰረታዊ ስርዓታት እዩ ምጥቃም ዝካኣል? ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብሄራዊ ጕጅለ እቶም ኣባላት ዘድንቕዎን ኣፍልጦ ክወሃቦም ዝፅውዑን ዲሞክራስያዊ ስርዓታት ኣሎ። ተፈላጥነት ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ እንተ ተረዲእናዮ ንባህላዊ ባህርይ ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ምስኡ ዝተሓሓዝ ባህላዊ ዲሞክራስያዊ ልምድታት ተፈላጥነት ምርካብ ምስ ተፃዋርነትን ኣኽብሮትን ድማ ዝሰማማዕ እዩ። ስለዚ እዘን ትካላት እዚኣተን ኵለን በዚ መገዲ እዚ ንኽሕልዋ ድሉዋት ከም ዝዀና ዝገልፅ ኩሉ ብማዕረ ናይ ሓደ ብሄር ዓብላልነት ዘይብሉ ወይ ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት  ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምድላው ንምቛም ብዝብል ሓሳብ ክቕረፅ፤ እዚ ሓሳብ እዚ “ኵሎም ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ጕዳያት መንግስቲ ብማዕረ ዝሳተፉሉ ናይ ሓቂ ሃገራዊ መንግስቲ” እዩ። እዚ ካዓ መንግስቲ ልክዕ ከምታ ዋለልኝ ዝስዕቦ “ኵሎም ዜግነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ጕዳያት መንግስቲ ብማዕረ ዝሳተፉላ ናይ ብሓቂ ብሄራዊ ሃገር” ብማሕበራት ደቀባት ኣቢላ እያ እትስዕብ።

      ሱር በተኽ ዝዀነ ብሄር ብሄርታዊነት (ንኻልኦት ምቕባል ዝነፅግ) ከምኡ’ውን ነቲ “ኢትዮጵያዊ” (ነቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ኣፍልጦ ምሃብ ዕሽሽ ምባል) ኣዝዩ ኣዕናዊ ኢዩ፡፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ድማ ተሓታቲ ኢዩ። ስለዚ እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለ ዝዀነን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓሚቝ ምርዳእ ስለ ዘድልየናን ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ሓሳብ ነቐፍቲ ኽንከውን ኣለና። መብዛሕትኡ ብእተፈላለዩ ጕጅለታት ዝቐረበ ሕቶታት ካብቲ ማዕርነት ፍትሒ ተፈላጥነት ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ እቲ መልሲ ዘይተዋህቦ ጕዳይ መሬትን ከም ናይ መንግስቲ ኽፍሊ መጠን ብህይወት ምንባርን ኣብኡ እተመርኰሰን ዝብል ሓሳብ ዝፍልፍል እዩ። “ብዛዕባ መን ኢና እንዛረብ ዘለና?” “ኢትዮጵያ ናይ መን እያ?”

      ነቲ ዝመፅእ ወለዶ ክነነፅረሉ ንደሊ እንተድኣ ኾይና መልሲ ናይታ “ብዛዕባ ናይ መን ኢትዮጵያ  ኢና እንዛረብ ዘለና? ” ከምኡ’ውን” ኢትዮጵያ ናይ መን ኢያ? ” ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ነቲ ሰባት ምስ ርትዓዊ ስርዓታት ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ዝገብርዎ ቃልሲ ኣድላዪ ምዃኑ ዘስተብሃለሉ ዋለልኝ ዝነበሮ ምስትውዓል ክንዝክሮ ኣለና፣ ንሱ ከም ዝፅሓፎ፣ ብሰባት ስነ-ሞጎታዊ መትከላት (ማለት ኣፍልጦን ፍትሕን) ንኽህሉ ናይ ቃልሲ ድልየትን ዝምልከቱ፣ ከምኡ’ውን እቲ ቃልሲ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኹሎም ክልላት ኮይኑ ሓቀኛ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ምህናፅ እዩ።  ብፍላይ ድማ ( ኵላቶም ብፍቓዶም ብሓባር ክነብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ በቲ ልሙድ ዝዀነ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት ዝመሓደሩሉ ልሙድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢለ ኽፅውዖ እየ ዝመርፅ፡፡ ምኽንያቱ መሰረታዊ ስርዓታት ካብ ከባቢኻን ዞባኻን ግዝኣትን ዝበልፅ ኢዩ ። ነቲ ዘሎና በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ንምምሕያሽን ንምቍፅፃርን ብሓቂ ወካሊ ዝዀነ ኣቀራርባ ኽነዳሉ ኣለና። በዚ ኸምዚ ዅላትና እነድንቖሉን እንዛረበሉን ከምኡ’ውን ነታ ብሓበን እንምልሳ ሕቶ መልሳን ክንህበላ ንኽእል ኢና፤ ሰለምንታይ ዝብል ካዓ በታ “ንሕና” እትብል ሓሳብ ነቲ ልሙድ ሓድነት ድሕሪ ምህናፅና እቲ ሓሳብ ክንሰማምዓሉ ስለ እንኽእል እዩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: ኢትዮጵያ ናይ መን እያ?
Your information: