“ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው”?

Home Forums መድረኽ መናኣሰ “ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው”?

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #4202 Reply

      ቃልኪዳን ሙሉ ቢተው*

      ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝተገብሩ ዓበይቲ ማሕበራዊ ፣ ቍጠባውን ፖለቲካውን ለውጥታትን ብምኽንያት ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዓብዪ ኣሕመድ ዓሊ (PhD) ናብ መንበረ – ስልጣን ምምፃእ ፣ ኢትዮጲያ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ “ስግግር” ከም ዘላ ጌርካ እያ ትርአ።

      እታ “ስግግር” ትብል ቓል ብዙሕ ለውጥታት ዘሕለፍናሉ ብርቱዕ ለውጥታትን ወሳኒ ፍፃመታትን ዘለዋ እዋን ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ።

      እታ ብሓጎስ ገብረኣምላኽ ዝተጽሓፈት ፅሕፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻውን ዞባውን ፖለቲካ ዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ብርኪ ንምርኣይ እያ ተፃሒፋ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ከም ዘላን ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነታ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎን ዝሕብር ጭብጢታትን መርትዖታትን ድማ ብዝግባእ ትገልፅ። ብመሰረት እቲ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውሽጣዊ ዀነ ግዳማዊ ጂኦፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብርኪ ክወርድ ኽኢሉ እዩ ። እቲ ፀሓፊ ኣብቲ መደምደምታኡ አብ ዘቕረቦም ቐንዲ ነጥብታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ዓብዪ ቕልውላው የጋጥማ ኸም ዘሎ ኣቐሚጡ እዩ፡፡

      እቲ ፀሓፊ ኢትዮጲያ ሕጂ ኣብ ዝተወሳሰበ ቀውሲ እትርከብ ምኹዋና ንምድምዳም ቐንዲ ነጥብታት ዘቐመጠ እንትትኸውን እቲ ፈላማይ ናይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ቕልውላው እዩ፡፡ ብደገ ድማ ግዳማዊ ፀቕጥታት ኣሜሪካ ምቕያር ድሌት ናብ ኢንዶ-ፓሲፊክን ፣ውሽጣዊ ኣካይዳ ሕቡራት መንግስታትን ፣ ምቕናስ ልቓሕ ካብ ቻይና፣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፣ ኹይናት ሩሲያን ዩክሬንን ፣ ከባብያዊ ጂኦፖለቲካዊ ኹነታት ፣ ከምኡውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂን ዘይምርግጋዕን እቶም ቐንዲ ነጥብታት እዮም፡፡

      እቲ ፀሓፊ ብሰንኪ ኣህጉራውን ከባቢያውን ኵነታት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዕምቆትን ብዝርዝርን ንምግላፅ ነቲ ኣብ ዓደይ ዘሎ ዅነታትን ብቐፃሊ ክውሰዱ ዘለዎም ኣካይዳታትን ንምርዳእ ኻብ ዘለኒ ባህጊ መልሲ ዝኸውን ፅሑፍ ንኽፅሕፍ ተገዳስነተይ ኣለዓዒሉለይ እዩ።

      እታ ፅሕፍቲ ብዛዕባ እቲ ኢትዮጵያ ኣፍቲ ሓድሽ ስርዓት ዘጋጠማ ታሪኻዊ ፍፃመታትን ከምኡውን እቲ ሓድሽ መንግስቲ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣሜሪካን ከምኡውን ካብ ዓለምለኸ ትካላት ዝነበራ ቑጠባዊ ደገፍ ከምዝሰኣነት እያ ትገልፅ።

      ብናተይ ርኢቶ ናይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ፕሮጀክት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንቝጠባዊ ተሓድሶ መሰረት ክኾኑ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት ሓደ እዩ ። እቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣሜሪካን ፣ ዓለምለኸ ቍጠባዊ ትካላትን ፣ ትካላት ረድኤትን ዝግበር ዝነበረ ደገፍ ምትራፉ ፣ ምስ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ማይ ናይምምላእ ስራሕ ዝተትሓሓዘ እዩ ዝብል ክትዕ ይሰማምዓሉ እየ፡፡ ኣብ ክንድ እዚ ድማ ግብፂ ነዚ ስራሕ እዚ እትቃወም ቐንዲ ተቐናቓኒት ዓዲ እንትትኸውን ስትራቴጂካዊ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ምኹዋና ድማ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተገበረ ማዕቐብን ኸቢድ ስጉምቲን ብቕልጡፍ ተግባራዊ ምግባሩ ግብፂ እቲ ኢትዮጲያ ዘለዋ ዞባዊ ፅዕንቶ የስግኣ ዝነበረ ምኹዋኑ ዘርእይ እዩ፡፡

      ነናይ ወፃኢ ሓገዝን ረድኤትን ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንኽትምዕብል ሓጊዝዋ ዘይፈልጥ እኳ እንተዀነ ብፍላይ እታ ዓዲ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መቕፃዕቲ ንምቕላል ቑጠባውን ፣ፖለቲካውን ክእለት እንተዘየማዕቢላ እቲ ኹነታት ኣዝዩ ክጋደድ ይኽእል እዩ።

      ከም መጠን ሓንቲ ሉኣላዊት ዓዲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖለቲካውን ቑጠባውን ውራያት ናፅነት ወይ ድማ ዓርሰ- ውሳነ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ቕልውላው ዓለምለኻዊ ፖለቲካ ስለ ዘሎን ሕድሕድ መንግስቲታት ምትእስሳር ስለ ዘለወንን ከምቲ ኣብቲ ፅሑፍ ዝተገለፀ ስትራቴጂካዊ ኣካይዳ እንተዘይተጌሩሉን ተዘይተመርሚሩን ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ከምፅእ ይኽእል እዩ።

      ከምቱ ኣፍቲ ፅሑፍ ዝተገለፀ፣ እቲ ኣብ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ዘጋጠመ ቕልውላው ኾነ እቲ ስዒቡ ዝመፀ ግዳማዊ ናይ ወፃኢ ፀቕጢ ፣ ብፍላይ ኻኣ እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ፣ ኢትዮጲያ ምስ ምዕራባውያንን ብርክት ዝበሉ ሓያላን ሃገራትን ዝነበራ ርክብ ክሽሕክር ጌሩዎ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ ኣገዳስነትና ምእንቲ ክነዕርይ ውሽጣዊ ድሉውነትናን ዓቕምናን ምእንቲ ኽንሃንፅ፣ ከምኡውን ውሽጣዊ ሰላም ምእንቲ ኽንዕቅብ ግድነት ዘተ ክግበር ዘይግባእ እኳ እንተዀነ ግን ብቕልጡፍ ቐዳምነት ክወሃቦ እዩ ትፅቢት ዝግበረሉ።

      ብዙሕ ሰባት ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ እተለቅሖ ዓብዪ መጠን ዘለዎ ልቓሕ ቕልጡፍ ፍታሕ ዝህብ ዝመስል እኳ እንተዀነ ነባሪ ቝጠባዊ ዕንወት ከምፅእ ይኽእል እዩ ክብሉ ይማጐቱ እዮም። ምስቲ ሓጎስ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላውን እናንቖልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ጂኦ-ኢኮኖሚን ዝሃቦ ርኢቶ እኳ ዝሰማማዕ እንተኾንኩ ኣብ ልቓሕ ዝተመርኰዘ ምኹዋኑ ንኢትዮጵያ ነባሪ ቝጠባዊ ኣሳልጦ ኸምዘምጽኣላ ኣይኣምንን እየ። እቲ ሓሳብ ሕጂ ዝረኸብናዮ ግዳማዊ 30 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ቝጠባዊ ብርታዐ ኣብ ምህናፅ ኣብ ክንዲ እነተኩር ኩልሻዕ ሸከም ኾይንና ክንነብር ይገብረና ኣሎ፡፡

      እቲ ስርዓት ኢህወደግ ዝተቐበሎን ብግቡእ ዘይተጠቐመሉን ዓብዪ ልቓሕ ናይ ቻይና ልቓሕ ከይኣቱ ኻብ ምኽልካል ንላዕሊ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ እየ ዝኣምን። ኣብ ኢንዱስትሪ ህንፀት ዝሰርሕ ከም ምዃነይ መጠን ቻይና ብፍላይ ኣብቲ ካብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ኣትሒዝና እንገብሮ ዘሎና ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንፀት (infrastructure) ቐንዲ ኣበርክቶ ዝገበረት ምዃና የሕስበኒ እዩ።

      ፍልጠት ምክፋል ሓደ ኻብቲ ወፃእተኛታት ክኢላታት ምምፃእ ዘምፅኦ ረብሓታት ምዃኑ እኳ እንተተጠቕሰ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይፍፀም ከም ዘሎ ግን እጠራጠር እየ ። እቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ንቝጠባ ኢትዮጵያ ንምቕያር “ናይ ገዛእ ርእሱ ቝጠባዊ ተሓድሶ” ንኽግበር ዘቕረቦ ሕቶ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዕንቅፋት ኰይንዎ ፀኒሑ እዩ።

      እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ገንዘብን ኣቓልቦን ዝገብረሉ ዝነበረ ቐንዲ ኣትኵሮ ዝግበረሉ ቦታታት ንግዲ ቱሪዝም እዩ ዝመስል፡፡ እንተዀነ ግና እዚ ለብዒ እዚ ንንግዲ ቱሪዝም ዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ክደክም ገይርዎ ኢዩ። እቲ ፅሑፍ እቲ ለብዒ ንቝጠባና ብኸመይ ከም ዘዕነዎ ገሊፁ ኣሎ እዚ ኸኣ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ጕዳይ ንላዕሊ ዓለምለኻዊ ክውንነት ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን።

      ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ውግእ ዩክረይንን ሩስያን ንዝለዓል ናይ ዋጋ ወሰኽ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ምግቢ ቕልውላው ከም ዘጋድዶ የጠንቅቑ ኣለዉ።

      ጄነቫ 26፣ ሚያዝያ (ሮይተርስ) ፦ ሓለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ማርቲን ግሪፍትስ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሓደ ኻብቲ ዝኸፍአ ድርቂ ስለ ዘጋጥም ኣስታት 2 ሚልዮን ቆልዑ ብጥሜት ክሞቱ ኸም ዝኽእሉ ገሊፁ እዩ።

      ገሊኡ ኽፋል ኬንያ ፣ ኢትዮጵያ ከምኡውን ሶማልያ ንልዕሊ 40 ዓመታት ደረቕ ኵነታት ኣየር የጓንፎም ኣሎ ። ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ፎረም ከም ዝገለፆ ኣፍሪቃ 60 ሚእታዊት እቲ ኣብ ዓለም ዝርከብ ልሙዕ መሬት እኳ እንተ ኣአንገደት ሕጂ እውን እንተዀነ ምግቢ ካብ ደገ እያ ተእትው፡፡ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ናይቲ ዓለምለኻዊ ሰደድ እኽሊ ሩስያን ዩክረይንን ኢዩ። ሩስያ 13 ሚእታዊ ናይ ዓለም ድዅዒ ክተቕርብ ከላ ዩክሬይን ኻኣ ፍርቂ ናይ ኵሉ ዕምባባታት ዘይቲ ተቕርብ ኢያ ።

      ኣብ ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ካብ ዓዶም ክመዛበሉ ዝገበረን ጠመትኡ ናብ ውግእን ንማሕበረሰቦም ንምዕቋብን ዘተኰረን ውሽጣዊ ጎንፂ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ምህርቲ ምግቢ ክንኪይ ጌሩዎ እዩ፡፡ እዚ ድማ ምስቲ ብሰንኪ ውግእ ዩክረይን-ሩስያ ንዚመፅእ ናይ ምግቢ ቕሳነትን ሓደጋን ተደሚሩ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ቕልውላው መሪሑና ኣሎ።

      ከምቲ ኣብቲ ፅሑፍ ብንፁር ዝተገልፀ ዘይተሓስበ ዓለምለኻዊ ፍፃመታትን ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ማሕበራውን ፣ ፖለቲካውን ቕልውላው ኢትዮጵያ ዝነበራ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ከምዘጥፍኦ ይሰማምዓሉ እየ። ይኹን እንበር እቲ ምስ እዚ ሓሳብ ዘይሰማማዕ ነገር ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ውዕላት ንኽትቕበል ሓሳብ ዝህብ ኣቀራርባ እዩ።

      እቲ ፀሓፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ስምምዕ ክገብር ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።  እቲ ብሓጎስ ዝተዋህበ ርእይቶ ማለትውን ጕዳይ ናይቲ ግድብ ቕልጡፍ ፍታሕ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ መፃኢ ዘእትወና ቍጠባውን ፖለቲካውን ቕዋምውን ብስትራቴጅያዊ መንገዲ ክምርመር ዘድልዮ ጕዳይ ብምኹዋኑ ምስ ሓጎስ ሓሳብ ኣይሰማምዓሉን እየ።

      እቲ ፀሓፊ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ርክባት ሚዛናዊ ንምግባር ክትሰርሕ ኸም ዘለዋ ዝገልፅ መደምደምታ ዝሃቦ እንትትኸውን ኣነውን በቲ መደምደምታ ይሰማማዕ እየ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዋላ ሓደ ዓዲ ተገሊሉ ኣይርከብን፡፡ ሃገራት ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነተን ንምዕቃብ ነቲ ግዳማዊ ርክባተን ብጥንቃቐ ክግምግማውን ኣለወን ።

      ሉዓላዊት ሃገር ከም ምዃንና መጠን ዝዀነ ይኹን ናይ ወፃኢ ውዕል ወይ ውዕላት ንመፃኢ ኢትዮጵያ ዝጠቅም ክኸውን ኣለዎ ። ወትሩ ምስ ሓደ ብሉፅ ስልጣን ዘይነቓነቕ መሻርኽቲ ኣብ ክንዲ እንኸይድ ዓብላሊት ሃገር ናይ ምዃን ኣማራፂ ኣሎ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻውን ዞባውን ፖለቲካ ድልድልቲ ሃገር ንምዃን ስትራቴጂታት ከተዳልው ኣለዋ።

      *ቃልኪዳን ኣብ መጀመርታ ምጅማርን ንግድን ብንጥፈት እትሳተፍ ትርከብ ብሞያ ምህንድስና ምሩቕቲ እያ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ሲቪልን ኣከባብያውን ምህንድስና ዲግሪ ተመሪቓ እያ ፣ ሕጂ ኸኣ ንማስተርስ ኣብ እትገብሮ መጽናዕቲ (ሰብኣውን ቍጠባውን ምዕባለ ኣብ ኣፍሪቃ) ትዓዪ ኣላ ። ቃልኪዳን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ንግዳዊ ትካላት ሓያል ስምዒትን ድሌትን ዘለዋ እንትትኸውን ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ውልቂ ኩባንያታት ትሰርሕ እያ።

      ኣጀንዳ ሓታሚ እዚ ፅሑፍ : እዚ ፅሑፍ ካርድ መናኣሰይ ዝማዕበለን ልምዲ ሙሁራዊ ምይይጥ ንምዕባይ “ኣብ መድረኽ ምይይጥ መናኣሰይ” ካብ ዘተኣናግዶም ፅሑፋት ሓደ እዩ:: ኣብዚ ዓምዲ ንምትእንጋድ ወይ ድማ ነዚ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ እንተደልዮም ብ info@cardeth.org ኢሜይል ይግበሩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: “ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው”?
Your information: