ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው

Home Forums መድረኽ መናኣሰ ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው

  • This topic is empty.
Viewing 0 reply threads
  • Author
    Posts
    • #4137 Reply

      ብሓጎስ ገብረኣምላክ*

      ኣብዚ  ስዒቡ ዝቐርብ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ከም ዘላን ንጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነታ ከመይ  ኽትቕንሶ ከም ዘለዋን እየ ዝትንትን። ጂኦፖሊቲክስ ዝብል ስያመ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዘሎ ዕላማ፣ ዘለዎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ንምምሕልላፍ  እየ ተጠቂመሉ ዘለኹ። ንጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ጠንቂ ዀይኖም  ዘፈሓሓምዎ ውሽጣዊን ግዳማዊን ምንቅስቓሳት እዮም።ድሕሪ ተስፋ ዝፈጥር ሽግግር  መንግስቲ ፌዴሪኢ ምኽንያት ምጅማር እቲ ዓብላልነት ዝነበሮ  ተቓውሞ ናብ ፖለቲካዊ ቕልውላው እታ ሃገር እዩ ኣምሪሑ  ። ይኹን ደኣ እምበር ድሕሪ ፖለቲካዊ ቕልውላው እቲ ሓጐስ ናብ ተስፋ ምቝራፅ እዩ     ተቐይሩ።.መንግስቲ ፌዴሪኢ ድማ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝግበር ዘሎ ጦርነት ምኽንያት ዕንወት እታ ሃገር ካብ ምኹዋን ሓሊፉ ርክባት ወፃኢ  ዉን ጎዲእዎ እዩ።

      ብሰንኪ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምንቅስቓስ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዘርኢ ዘሎ። ኣብዚ ሓፂር ግዜ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቍጠባዊን ቅልውላው ጥሒላ እያ። እናንሃረ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ቕልውላው ብምኽንያት ስእነት ስራሕ ንህይወት ሰባትን ንቝጠባዊን/ኢኮኖሚያዊ ናብራ ምኽባድ ምኽንያት እዩ። ሕፅረት ናይ ሸርፊ ወፃኢ ዉን ኣጋጢምዋ ኣሎ።

      ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ጂኦፖለቲካዊ ውድድርን ኣህጉራዊ ህውከትን እዮም። ምስ ውድብ ሕቡራት ምንግስትታት ኣሜሪካ፣ ምምሕዳር ትራምፕን ባይደንን ዝተሓባበራን ዝቖማን ዝነበራ ትካላት ንኢትዮጵያ ፀቕጢ ኣብ ምግባር ፍቃደኛታት ካብ ምኹዋን ሓሊፈን ደገፍቲ እቲ ፀቕጢ እየን ነይረን።  ካብዚ ሓሊፉ ኢትዮጵያ ነቲ ሐዚ ዘጋጥማ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ኣበርክቶ ዝገበሩ ጉዳያት  ‘ውን ሕድገት ልቓሕ ዘይምህላው፣ ክልላውን ከባብያዊን ፖለቲካዊ ውድድር፣ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከምኡውን ውግእ ዩክሬንን-ሩስያን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ገይሮም እዮም። ነዚ ቕልውላው እዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ነፍሲ ወከፍ ረቛሒ ድማ ኣብ ታሕቲ ተተንቲኑ ኣሎ ።

      ቕልውላው ግድብ ህዳሴን ዘስዓቦ ግዳማዊ ፀቕጥታትን

      ብ2018 ዓ/ም/ፈ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ጀሚሩ እዩ። እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምቕያር ‘ናይ ሃገር በቆል ቝጠባዊ ተሃድሶ’ ዝብል ኣጀንዳ ሒዙ ቐሪቡ እዩ።

      ነቲ መደብ ተሃድሶ  ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ፣ ዓለምለኻዊ ባንክን  ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከንን (IMF) ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ትካላት ሓገዝ ከም ዝገብራ ቃል ኣትየን ነይረን ። ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከን ንኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት 2.9 ቢልዮን ዶላር ከም እትድጉም ቃል ኣትያ  ነይራ። ዓለምለኻዊ ባንኪ ድማ ነቲ መደብ ተሃድሶ ንምድጋፍ 500 ሚልዮን ኣሜሪካ ዶላር ኸም ዝህብ ኣፍሊጡ ነይሩ ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ናይ ተሃድሶ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር (5 ቢሊዮን) ብምውፋር(investment) ከም ዝድግፎ ገሊፁ ነይሩ እዩ።

      ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ቃል ዝኣተዋሉ ጉዳይ ቃል ጥራሕ ኮይኑ ተረፉ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ሰነ 2020 ዓ/ም/ፈ ንመጀመርታ ዙር ማይ ክትመልእ ምስ ጀመረት ዓለምለኻዊ ባንኪ ከም ህፁፅ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይራ ቃል ዝኣተወትሉ  500 ሚልዮን ዶላር ጠጠው ኣቢላቶ እያ።

      ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ተሃድሶ እቲ ምስ ግብፅን ሱዳንን ዝተልዓለ ግጭት ምኽንያት ብምግባር ንኢትዮጵያ ዝገብሮ  ዝነበረ ሓገዝ ቀኒሱ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓለምለኻዊ ባንክን ነቲ ኣፈላላይ ማእኸላይ ንምግባር ጣልቃ ይእትዉ ደኣ’ምበር ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ማእኸላይነት መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበሮ ኣቋም ብዝተወሰነ መልክዑ  ክርአ ተሎ ናብ ግብፂ ዝወገነ ፍርዲ እዩ ነይሩ። ብዝያዳ ንግብፂ ዝድግፍ ፖለቲካ እዩ ነይሩ።

      ሕቡራት መንግስቲ ኣሜሪካ ግብፅን ሱዳንን ስምምዕ ቅድሚ ምብፀሐን ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ኸይትመልኦ  መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ።  ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ባንኪ ማእኸላይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ግብፅን ሱዳንን ምእንቲ ክትስማማዕ ኣብ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ይገብረላ ነይሩ እዩ።

      ባንኪ ዓለም ድሕሪ ዝተወሰነ ሰሙናት ነቲ ንኢትዮጵያ ‘መደብ ሃገር በቆል ቝጠባዊ ተሃድሶ ‘ ንምሃብ ዝኣተዎ 2.9 ቢልዮን ዶላር ከም ዘቋረፆ ፀብፃብ ኣቕሪቡ እዩ።  ፈለማ እቲ ባንኪ ካብቲ ንሰለስተ ዓመት ዝተገብረ መደብ ተሃድሶ ዘድሊ  60 ሚእታዊት ካብ 10 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሽፍን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

      ዓለምለኻዊ ናይ ገንዘባዊ ማዕከን(IMF) ዉን ንኢትዮጵያ ብቢልዮናት ዝቝፀር ዶላራት ምሃብ ኣናዊሑዎ እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኻዊ  ትካላት ገንዘባዊ ህያባትን ልቓሕን ከይትረክብ ድማ ተኸልኪላ እያ።

      ግብፂ ናይ ቀረባ ጂኦግራፍያዊ መሻርኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስለ ዝዀነት ኣብ ልዕሊ  ሩባ ኣባይ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ውድድር  ካልኦት ኣዕራብ ሃገራት ንኢትዮጵያ ዘለወን  ደገፍ ጠጠው ንከብላ ምግባር ትኽእል እያ።

      ድሌት ኣሜሪካ ኣብ ኢንዶፓሲፊክን ውሽጣዊ ለውጢታት ኣሜሪካን

      ማእኸላይ ምብራቕን ዞባ ቐይሕ ባሕርን ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ስትራተጅያዊ ተመራፅነት ረኺቡ እዩ። ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ትኹረታ ምስ ገበረት ንኢትዮጵያ ዉን ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ተመራፂት ገይሩዋ እዩ።

      ናይ ሃይለ ስላሴ ትበሃል ኢትዮጵያ ንረብሓታት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ጕዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣገዳስነት ናይ ቐረባ መሻርኽትን ቀንዲ ተቐባሊት ሓገዝን እያ ነይራ።

      ድሕሪ 9/11 ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝወረደ መጥቃዕቲ ፌዴሪኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ወፍሪ ግብረ-ሽበራ ዝተገብረ ውግእ ወሳንን ጥቡቕን መሻርኽቲ ኣሜሪካ እዩ ነይሩ። እቲ ስርዓት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምቅላስ ኣል ሻባብን ግብረ-ሽበራዊ ምንቅስቓሳትን ኣብ ናይ ሕማቕ ግዜ መሓዝኡን እዩ ነይሩ ።

      ልክዕ ከም ኣቀማምጣ ቅደም ተኸተለን ብተለምዶ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓን ምብራቕ ኤስያን ብኣሜሪካ ቐዳምነት ዝወሃበን ሃገራት እየን ።ሐዚ ግን ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ካልኦት  ጂኦፖለቲካዊ ጕዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተሓተ ቐዳምነት ዝወሃቦ ጕዳይ ኾይኑ እዩ ።ኣብ ውሽጢ ሃገራ ብዝተፈጠረ ጂኦፖለቲካዊ ለውጥታት ምኽንያት ብምግባር ዉን ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቐይሕ ባሕሪ ዘለዋ ድሌት ኣዝዩ ቀኒሱ እዩ።

      ሕቡራት መንግስትታት ሕዚ ብእታዎት ሓይሊ ዓርሶም ስለ ዝኸኣሉ ገፆም ናብ ቐይሕ ባሕሪ ዘዝር ምኽንያት የብሎምን። ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ምምሕዳር ኣሜሪካ ዓብዪ ጠመተኦም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተፈጠረ ኽፍፍል ማሕበራዊን ቁጠባን ቐውስታት እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ምምሕዳር ባይደን ነዚ ዝተፈጠረ ጉዳይ ብትሪሊዮን ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ገይሩ እዩ።

      ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ግብረ-ሽበራ ዝግበር ውግእን ብጠቕላላ ድማ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ወፈራታትን ጠመተኣ ኣይኮነን።ቐንዲ ጂኦፖለቲካዊ ድሌት ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ቻይና ንምቍፅፃር እዩ።

      ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ድሌት ኩሉግዜ ምስቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጂኦግራፍያዊ ረብሓታት ኣሜሪካ ዝተተሓሓዘ እዩ ።  ሕዚ ግን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትኹረታ ኣብ ቻይና ንምግባር ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ትርሕቕ  ኣላ እያ።

      ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ድማ እዚ ብርቱዕ ምንቅስቓስ  ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ ፣ እዚ ኸዓ ኣብ ኢትዮጵያ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ስትራተጅያዊ ድሌት ንከይህልዋ ገይርዋ እዩ።

      ንኢትዮጵያ ዝግበር ሕድገት ልቓሕ ቻይና እናነከየ ምኻዱ

      ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ መጠኑ ዝሓለፈ ቝጠባዊ ዕቤት  ቐንዲ ምኽንያቱ ልቓሕ ቻይና እዩ ነይሩ ። ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ሃገራት ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ኣለዋ ካብዚ ድማ ዳርጋ 14 ቢልዮን ዶላር ንቻይና ዝምለስ ልቓሕ እዩ ።

      ቻይና ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ምፍቃዱን ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ዕድል ሸርፊ ወፃኢን ምፍጣሩን መንግስቲ  ኢፌድሪ ብገንዘብ ንክበቅዕን ንምንቕቓሕ ቑጠባ ሃገር ዉን  ዓብዪ ኣጋጣሚን ኸፊቱ እዩ።

      ኢትዮጵያ ነቲ መንግስቲ ቻይና ዝገበሮ ሰፊሕ ገንዘባዊ ሓገዝ ብኣግባቡ ስለ ዘይተጠቐመትሉ ቻይና ሕድገታዊ ልቓሕ ደው ንክተብል ተገዲዳ እያ። ቻይና ንኢትዮጵያ ካብ ባንክታታ ልቓሕ ከይትረክብ እውን ከልኪላታ እያ።

      ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ቻይና ባንኪ ንግዲ-ኢምፖርት (EXIM) ንህንፀት  12 ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝኸውን 339 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ብምኽንያት ምዝንጋዕ  መሰረታዊ ነገራት ደው ኣቢሉ እዩ።

      ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ተበግሶ ቅናት መንገዲ/ቤልት ሮድ (BRI) ኢትዮጵያ ዕዳ ኽትከፍልን ነቲ ልቓሕ ክተገልግል ብዘይምኽኣላን ብውሱን መልክዑ ኸዓ ሓልዮት ሕድገት ልቓሕ ቻይና ኽትረክብ ኣይከኣለትን።

      እዚ ድማ ኢትዮጵያ  ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ንምብልሻው ጂኦ-ኢኮኖሚ ወሳኒ ግደ ኣበርኪቱ እዩ።

      ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስን ከምኡውን ውግእ ዩክሬንንሩስያን

      ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ውግእ ዩክሬንን-ሩስያን ንቝጠባ ኢትዮጵያ ዝጐድኡ ቐንዲ ፍፃመታት እዮም። እዚ ለበዳ እዚ ንንግድን ስርዓት ሎጊስቲክስን ድማ ኣዕኒዎ እዩ። ፀብፃባት ከም ዝሕብርዎ እዛ ሃገር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና

      ቫይረስ ካብ 4.3 ሚእታዊ ናብ 5.5 ሚእታዊ GDP ክትቅንስ ከምትኽእል ይግመት እዩ።

      እዚ ድማ ንሞተር ኽፍሊ ህንፀት ቝጠባ ዕንዎት እዩ። ቍጠባዊ ቕልውላው ሃገር ድማ ከም ዝናወፅ ገይሩዎ እዩ ።

      ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሩስያን ዩክሬንን ዝግበር ዘሎ ውግእ  ድማ እቲ ፀገም መሊሱ ዝገደደ ንክኸውን  ገይርዎ እዩ። እቲ ውግእ ቅድሚ ሐዚ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዝነበረ  ምግብን ናይ ምግቢ ቅልውላው ንክጋደድ ዓብዪ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ።

      እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ምኽንያታት  ንቝጠባ ኢትዮጵያ ኣፀቢቑ ዝጐድኦ ንሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ቅድሚ  ዝተወሰኑ ሰሙናት 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣብ ዓለም-ለኻዊ ልውውጥ ንግዲ ከም ዝነበራ ዝፅብፀብ ኮይኑ እዚ ድማ ምስ ሓደ ወርሕን ሰለስተ ሰሙንን ዝመዓራረ  ናብ ሃገር ኣታዊ ዝግበር ዝነበረ እዩ።

      ክልላዊ ጂኦፖለቲካዊ ውድድርን ተጠቃዕነት ኢትዮጵያን

      ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ክልላዊ ቦታታት ኣብዚ ቐረባ እዋን ጂኦፖለቲካዊ ውድድር እናካየዱ እዮም።

      ኣሜሪካ ካብቲ ክልላዊ ቦታታት ኽትርሕቕ ከላ ከም ሱዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት መንግስታት ዓረብ/ UAE ፣ኢራንን ቱርኪን ዝኣመሰላ ሓይልታት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ጂኦፖለቲካዊ ፅልዋአን ንምስፋሕ ኣብቲ ዕማም ተዋሳእቲ ኮይነን እየን ።

      ጂኦፖለቲካዊ ጉዳይ ቐርኒ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ምስዚ ዝተተሓሓዘ እዩ ብቐንዱ ኸዓ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ።

      በቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት መንግስታት ዓረብ/ UAE ን ግብፅን ብቲ ሓደ ወገን  ድማ ኢራንን ቱርኪን ብምኹዋን ዝገበርዎ ውድድር  ምውናን ቐይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣወንታውን ኣሉታውን ፅልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ።  ሱዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት መንግስታት ዓረብ/ UAE ፣ ቱርኪን ኢራንን ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ኢትዮጵያ ተወዳዲረን እየን ። ኵሎም እዚኦም ኣብታ ሃገር ዝተፈላለየ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ዘለዎም ሓይልታት ጥቕሞም ንምሕላው ክብሉ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጦርነት ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ድጋፎም ንፌደራላዊ መንግስቲ ኣርእዮም እዮም።

      ጂኦፖለቲካዊ ውድድር እዘን ሃገራት ነንሕድሕደን ዝጋጨዋ ስለ ዝዀና ንኢትዮጵያ ብኣሉታዊ መንገዲ ብምፅላው ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ተወሳኺ ዝኾነ ፀገም እዩ ዝፈጥረላ ዘሎ።

      ንኣብነት ቱርኪ መነሓንሕቲ ግብፂ ስለ ዝዀነት ኢትዮጵያ ተጠቒማ ንድሕንነት ሩባ ኣባይ ንግብፂ ኽትቃወም ትኽእል እያ። ሕቡራት መንግስታት ዓረብ/ UAE ንመብዛሕትኡ ኽፋል ወደብ ሶማሊላንድ ትውንኖ ኢያ፡፡ ኢትዮጵያ ወደብ ጂቡቲ ገዲፋቶ ምስ ኸደት ቐንዲ መሳርሒኣ ገይራ ክትጥቀመሉን ክትእዝዝን ዋና ድሌታ እዩ። ኤርትራን ጂቡቲን ድማ ፀላእቲ እዮም ። እቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ምቅርራብ ናብ ዱባይ ዓለምለኻዊ ወደብ (Dubai Port World) ክቕየር ኣብ ዝኽእለሉ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ርክብ ክጐድኦ ይኽእል እዩ።

      ብ2019 ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ለውጢ ስርዓት ንግብፂ ዝድግፍ መንግስቲ ምቛሙ እውን ንኢትዮጵያ ብኣሉታዊ መንገዲ ዝፀለዋ ዓብዪ ጂኦፖለቲካዊ ለውጢ እዩ። ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ደምበርን ኽርክር ኣለወን ። እዚ ኸዓ ግብፂ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ እትገብሮ ጂኦፖለቲካዊ ቓልሲ ንኽተጋድዶ ኣጋጣሚ ኸፊቱላ እዩ።

      ዕጥቃዊ ግጭትን ዘይምርግጋዕን

      ክልተ ዓበይቲ ጉድኣታት ማለት እውን ውሽጣዊን ግዳማውን ፅልዋ ምኽንያት ዕጥቃዊ ግጭታትን ዘይምርግጋዕን እዮም ። ውሽጣዊ ቕልውላው ሃገር ናብ ሓደጋ ዘእተዋ ኾይኑ ምስ ናይ ወፃኢ ዓለም ዘለዋ ርክብ ድማ ኣበላሽይዎ እዩ ።

      እቲ ውግእ  ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያንን ምስ ብብዙሕ ዓውድታት ርክብ ዘለወን ትካላትን ኣበላሽይዎ እዩ ።

      ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 2020 ዓ/ም/ፈ ንኢትዮጵያ ብገንዘብ ንምድጋፍ ዝነበሮ ትልሚ 109 ሚልዮን ዶላር ድማ ኣቋሪፅዎ እዩ ።

      ምምሕዳር ባይደን ነቲ ትራምፕ ዘውፅኦ ውሳነ ማዕቐብ ምስ ትግራይ ብዝተገብረ ግጭት ኣተኣሳሲሩ እንደገና ቀፂሉሉ እዩ። ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ኦቤት ኣፍሪካ/ AGOA ዝበሃል ትካል ካብ ቐረፅ ነፃ ዝኾነ ዕድል ካብ ኣባልነት ሰሪዝዎ እዩ ።

      ብምኽንያት እኹል ዘይኮነ ድጋፍ ገንዘባዊ ዓቕሚ ምዕራባውያንን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዘለዉ ትካላት ማሕበራውን ቍጠባውን ፀገማት ኣስዒቡሎም እዩ።

      ግጭታትን ዘይምርግጋዕን ሃገር ኣብ ከባብያዊን ክልላዊን ጂኦፖለቲካዊ ውድድርን ንፀገማት ዝተቓልዐት ንኽትከውን ገይርዋ እዩ። ኣብ መንጎ ህወሓትን  ፈደራላዊ መንግስቲን ዝተገብረ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነትን ፀገማትን ዝበኣስ ንክኸውን ገይርዎ እዩ።

      መደምደምታ

      ኣብ መንጎ ግዳማዊን ውሽጣዊን ጂኦፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምምስሳል ምኽንያታት ንኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው ኣሳጢሑዋ እዩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ተገዳስነት ኣፀቢቑ ቐኒሱ እዩ።

      ኣብ ልዕሊ ፈለግ ሩባ ኣባይ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ምህዋክ ኣሜሪካን ግብፅን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኽትህበሉ ኣለዋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዉን ብዛዕባ  እዚ ግድብ መዝገብ ስምምዕ ክበፅሕ ኣለዎ።

      ኣብ መላእ ሃገር ተስፋሕፊሑ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት እንኮላይ ውግእን ዘይምርግጋዕን ደው ከብልዎ ኣለዎም።

      ኣብ መንጎ ሓይልታት ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኸቢድ ናይ ጂኦፖለቲካዊ ውድድር ንምቍፅፃር ርክባታ ሚዛናዊ ክትገብር ኣለዋ።

      ሓገዝ ምዕራባውያን ንኢትዮጵያ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ርክባ ክተስተኻኽሎ ኣለዋ ። ዲፕሎማስያዊ ፍልጠትን ፃዕሪ ክኢላታትን ኽግበር ኣለዎ።

      —-

      *ሓጎስ ገብረኣምላክን ኢንፎርም ኣፍሪካ ብጋዜጠኝነት ዝሰርሕ እዩ።

      ኣጀንዳ ሓታሚ እዚ ፅሑፍ : እዚ ፅሑፍ ካርድ መናኣሰይ ዝማዕበለን ልምዲ ሙሁራዊ ምይይጥ ንምዕባይ “ኣብ መድረኽ ምይይጥ መናኣሰይ” ካብ ዘተኣናግዶም ፅሑፋት ሓደ እዩ:: ኣብዚ ዓምዲ ንምትእንጋድ ወይ ድማ ነዚ ፅሑፍ መልሲ ንምሃብ እንተደልዮም ብ info@cardeth.org ኢሜይል ይግበሩ።

Viewing 0 reply threads
Reply To: ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦፖለቲካዊ ቕልውላው
Your information: